På skatteverket.se använder vi kakor (cookies) för att webbplatsen ska fungera på ett bra sätt för dig. Genom att surfa vidare godkänner du att vi använder kakor. Vad är kakor?

För närvarande kan det vara problem med att logga in på Mina sidor.

Logotyp, till startsidan

ፍሉይ ኣድራሻ ፖስታ

ብውሑዱ ኣብ ውሽጢ ሽድሽተ ኣዋርሕ ካብቲ ዘመዝገብካዮ ኣድራሻ እተፈልየ ኣድራሻ ኪህልወካ ምስ እትደሊ ንፍሉይ ኣድራሻ ፖስታ ብዚምልከት ንስካተቨርከት ሓብር። እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሽወደንን ኣብ ወጻእን የገልግል። ፍሉይ ናይ ፖስታ ኣድራሻ ንምሕባር ገንዘብ ኣይክፈሎን እዩ።

ፍሉይ ናይ ፖስታ ኣድራሻ ሓብር ወይ ኣቋርጽ

ብ ኢ-ሸንስት ኣብ ሽወደን ወይ ኣብ ወጻኢ ፍሉይ ኣድራሻ ፖስታ ክትሕብር ትኽእል። ነቲ ሓበሬታ ኣቐዲምካ ለኣኮ፡ ግን እቲ ፍሉይ ናይ ፖስታ ኣድራሻ ከገልግል ቅድሚ ምጅማሩ ካብ ወርሒ ዚነውሕ ኣይትቐድም። ብኢ-ሸንስተን ነቲ ፍሉይ ናይ ፖስታ ኣድራሻ ኣገልግሎት ከተቋርጾ እውን ትኽእል ኢኻ።

ኢ-ለጊቲማኹን የብልካን ዲኻ?


እቲ ፖስታ ብልክዕ ይመጽእ

ኣቲ ፍሉይ ናይ ፖስታ ኣድራሻ ናብቶም ዝበዝሑ ካብቲ ህዝባዊ ደብተር ሓበሬታኻ ዚወስዱ ትካላት መንግስትን ዋኒናትን ብቐጥታ ወይ ኣውቶማቲክ እዩ ዚዝርጋሕ።

ይኹንምበር ነቲ ፍሉይ ናይ ፖስታ ኣድራሻኻ ናብ ብሕታውያን ሰባትን፡ ኣባል ዝኾንካለን ማሕበራትን ውድባትን፡ ንዓሚል ዝኾንካለን መጽሔታትን ነቶም ሓድሽ ኣድራሻኻ ብርግጽ ኪህሉዎም እትደሊ ዋኒናትን ነቲ ሓድሽ ኣድራሻኻ ክትሕብር ትኽእል ኢኻ።


ተቐቢልካ ዚለኣኽ ፖስታ

ተቐቢልካ ምልኣኽ ማለት እቲ ናብቲ ምዝጉብ ኣድራሻኻ እተላእከ ፖስታ ናብቲ ፍሉይ ኣድራሻኻ ይለኣኽ ማለት እዩ። ነቲ ፖስታኻ ተቐቢሎም ኪልእኩልካ ምስ እትደሊ ናብቲ ናይ ሽወደን ናይ ምልዋጥ ፖስታ ቤትጽሕፈት ኣመልክት። ከምኡ ምግባር ገንዘብ ይኽፈሎ እዩ።

 

ናይ ወጻኢ ሃገር ፍሉይ ኣድራሻ ፖስታ

ኣብ ሽወደን ይኹን ኣብ ወጻኢ ሃገር ፍሉይ ኣድራሻ ፖስታ ክትሕብር ትኽእል ኢኻ። ኣብ ወጻኢ ካብ ሓደ ዓመት ንላዕሊ ክትቅመጥ ምስ እትደሊ ፍሉይ ናይ ፖስታ ኣድራሻ ክትሕብር ኣየድልን። ጥራይ ናብ ወጻኢ ከም ዝኸድካ ኢኻ እትሕብር። ኣብ ትሕቲ ምግዓዝ ናብ ወጻኢ ሃገር (Flytta utomlands) ዚብል ኣርእስቲ ዝያዳ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል።

 

ነቲ ፍሉይ ናይ ፖስታ ኣድራሻ ደው ኣብሎ

እቲ ፍሉይ ናይ ፖስታ ኣድራሻ ንኸየገልግል እንተ ደሊኻ ከም ብሓድሽ ብ ኢ-ሸንስት ፍሉይ ኣድራሻ ፖስታ ጌርካ ኣመልክት።

ኢ-ሽንስት ንምግባር ተኽእሎ እንተ ዘይብልካ፡ ነቲ ፍሉይ ኣድራሻ ፖስታ (SKV 7844) ዚብል ፎርም ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።

እቲ ፍሉይ ኣድራሻ፡ ናይ ምግዓዝ ሓበሬታ ምስ ሃብካ ወይ ነቲ ምዝጉብ ኣድራሻኻ ምስ ለወጥካ፡ ሽዑ ሽዑ ከም ዘይልወጥ ፍለጥ።

(ነቲ ኣድራሻኻ ብናጻ ከም ዚሕሎ ግበር)

 

Skatteverket

Till toppen