På skatteverket.se använder vi kakor (cookies) för att webbplatsen ska fungera på ett bra sätt för dig. Genom att surfa vidare godkänner du att vi använder kakor. Vad är kakor?

För närvarande kan det vara problem med att logga in på Mina sidor.

Logotyp, till startsidan

ናይ ምግዓዝ ሓበሬታ

ምእንቲ ቅኑዕ ናይ ምዝገባ ኣድራሻ ኪህልወካ፡ ክትግዕዝ ከሎኻ ንስካተቨርከት/ቤትጽሕፈት ቀረጽ ኣመልክት። ነዚ ንምግባር ገንዘብ ኣይክፈሎን እዩ፡ ብ e-tjänsten ኢኻ እትገብሮ።

በቲ Mobilt BankID ወይ ብኻልእ e-legitimation ኣብ e-tjänsten እቶ

ምግዓዝካ ኣቐዲምካ ወይ ምስ ገዓዝካ ድሕሪ ሰሙን ሓብር። ሽዑ እቲ ኣድራሻኻ ካብታ ዝገዓዝካላ መዓልቲ ይጅምር። ድሕሪ ምግዓዝካ ካብ ሰሙን ንላዕሊ ደንጕኻ ምስ እትሕብር፡ እቲ ሓድሽ ኣድራሻኻ ካብቲ ሓበሬታኻ ናብ ስካተቨርከት ዝበጽሓሉ እዋን እዩ ዚጅምር።

ናይ ምግዓዝ ሓበሬታ እትገብር ብኸምዚ መገዲ እዩ


  • ብ ሓብር (ሓበሬታኻ ሃብ) - ሽዑ ድሕሪ ገለ ደቓይቕ ወዲእካ ኢኻ
  • ፎርም ሓቲምካ ብፖስታ ስደደልና
  • ገለ ፍሉይ ሕቶታት ምስ ዚህልወካ ደውለልና፡ ክንሕግዘካ ኢና

 

እቲ ፖስታ ብልክዕ ይመጽእ

ኣብ መንጎ ናይ ምግዓዝ ሓበሬታን ንፖስታ ተቐቢልካ ምልኣኽን ፍልልይ ኣሎ

 

ኣድራሻኻ ዕጸዎ

ዘይተፈቕደሎም ሰባት ኣድራሻኻ ከይልውጥዎ ተጠንቀቕ


ንትምህርቲ ዚግበር ምግዓዝ

ኣብቲ እትመሃረሉ ቦታ ኢኻ እትምዝገብ


ንኣድራሻኻ ብዘይ ክፍሊት ሓሉዎ

እቶም ንወግዓዊ ደብዳበታቶም ዲጂታላዊ ሳጹን ፖስታ/ዲጂታላ ብረቭሎዳን ዘለዎም ሰባት እቲ ናይ ምዝገባ ኣድራሻኦም ኣብ ደብተርና ምስ ተለወጠ ብቕልጡፍ ሓበሬታ ኪረኽቡ እዮም። እቲ ኣገልግሎት ብናጻ እዩ፡ ኣድራሻ ንምክትታል ድማ ቅልጡፍን ውሑስን እዩ።

ካብ ስካተቨርከት ወይ ካልእ መንግስታዊ ትካል ወግዓዊ ደብዳበ ኪመጸካ ከሎ ብኤስኤምኤስ ወይ ብኢመይል ክኾነልካ ምስ እትደሊ ኣብቲ ዲጂታላዊ ሳጹን ፖስታ/ዲጂታላ ብረቭሎዳን ግለጽ

ኣብቲ minameddelanden.se ከመይ ጌርካ ውሑስ ዲጂታላዊ ሳጹን ፖስታ ከም እትረክብን፡ ካብ ስካተቨርከትን ካልእ መንግስታዊ ትካላትን እንታይ ዓይነት ፖስታ ብዲጂታላዊ መገዲ ከም እትረክብን ሓበሬታ ኣሎ።


Skatteverket

Till toppen