På skatteverket.se använder vi kakor (cookies) för att webbplatsen ska fungera på ett bra sätt för dig. Genom att surfa vidare godkänner du att vi använder kakor. Vad är kakor?

För närvarande kan det vara problem med att logga in på Mina sidor.

Logotyp, till startsidan

ምምዝጋብ መርዓ - ድሕረባይታ

መዝገብ መርዓ (äktenskapsregistret) ካብ ጥቅምቲ 1-2011 ጀሚሩ ኣብ ስካተቨርከት/ቤትጽሕፈት ቀረጽ፡ እዩ ዚርከብ። ንሱ ነቲ ኣብቲ መዝገብ ዘሎ ሓበሬታ ከም ንኣብነት ፍትሕ፡ ቃልኪዳን፡ ኣብ መንጎ መርዑት ዚግበር ህያባት፡ ናይ ንብረት ምምቓል ሓበሬታን ናይ ንብረት ምምቓል ሰነዳትን ይልእኽ። እቲ ሓበሬታ ካብ ኣብያተፍርድን ብሕታውያን ሰባትን ይውሰድ።

ኣቐዲሙ እቲ ናይ ቃልኪዳን መዝገብ ኣብቲ ናይ ኦረብሩ ስታቲስቲካክዊ ማእከላይ ቤትጽሕፈት (Statistiska centralbyrån (SCB) ይርከብ ነይሩ። ንሱ ብ 1921 ምስቲ ናይ ቃልኪዳን ሕግታት ምምሕያሽን ናይ መርዓ ሕጊ (GB) ምሕዳስን እዩ ተመስሪቱ። ብድሕርዚ እቲ SCB ነቲ ብሕጊ ናብ ናይ ቃልኪዳን መዝገብ ኪለኣኽ ዘለዎ ሓበሬታ፡ መንግስታዊ ናይ መዝገብ ትካል ኮይኑ። ብምኽንያት ምልዋጥ ሕጊ እቲ ትሕዝቶ መዝገብ ቃልኪዳን ብኸምዚ መገዲ ኪቀያየር ጸኒሑ እዩ፤

ካብ ወረዳ ቤትፍርዲ እተዋህበ ሓበሬታ

ካብ 1921 ንደሓር

  • ምምቃል ንብረት
  • ውዕል ሓዳር/ቃልኪዳን
  • ፍትሕ
  • ዘይቅቡል ቃልኪዳን
 

ናይ ዓመት 1921-1973

  • ሕጋዊ ምፍልላይ
  • ናብ ቃልኪዳን ምምላስ
 

ናይ ዓመት 1921-1987

  • ምፍልላይ ንብረት
 

ካብ 1988 ንደሓር

  • ኣብ መንጎ ሰብሓዳር ዚህሉ ህያባት
  • ንምምቕቓል ንብረት ዚምልከት ሓበሬታ
  • ናይ ፍትሕ ምስራዝ ውሳነ (avskrivningsbeslut)
 

ካብ 1989

  • ናይ ምምቃል ንብረት ሰነድ
 

ካብ ናይ ይግባይ ቤትፍርድን ላዕለዋይ ቤትፍርድን እተዋህበ ሓበሬታ

ካብ 1921

  • ናይ ይግባይ ብዪንን ውሳነን

ካብ 1984

  • ነቲ ናይ ወጻኢ ሃገር ንፍትሕ ዚምልከት ብዪን ዚውሃብ ናይ ምጽዳቕ ውሳነ
 

ሓበሬታ ካብ በዓልስልጣን ደብተር-ርስቲ

ካብ 1972-1987

  • ብመሰረት 12 ምዕራፍ 2 ሕጊ ዘይንቀሳቐስ ንብረት


Skatteverket

Till toppen