På skatteverket.se använder vi kakor (cookies) för att webbplatsen ska fungera på ett bra sätt för dig. Genom att surfa vidare godkänner du att vi använder kakor. Vad är kakor?
ንሓደ ህጻን ናይ ምግዓዝ ሓበሬታ ኪወሃበሉ ኸሎ ኣብቲ ናይ ምግዓዝ ሓበሬታ ኩሎም እቶም ዘዕብዩዎ ኪፍርሙ ይግባእ።
እቲ ህጻን ክልተ መዕበይቲ ምስ ዚህልዉዎ ክልቲኣቶም ኪፍርሙ ይግባእ። ካባታቶም እቲ ሓደ ጥራይ ምስ ዚፍርም፡ እቲ ዝፈረመ ነቲ ሓደ ፍቓደኛ ምዃኑ ንምርግጋጽ ብፖስታ ክሕብሮ ይግባእ።
እቲ ስራሕ ምእንቲ ኪሰልጥ፡ እቲ ናይ ምግዓዝ ሓበሬታ ብ ኢ-ሽንስት ይኹን፡ እቲ ፍቓደኛነት ምሕታት እውን ብኢ-ሸንስት ይኹን። ነቲ ሓደ መዕበዪ ነቲ ናይ ምግዓዝ ተግባር ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት ንኸጽድቖ ንምሕባር ኣይትረስዕ።
እቲ ሓበሬታ ብኢ-ሸንስት ምስ ዚግበር፡ እቲ ሓደ መዕበዪ/ሞግዚት ነቲ ፍቓደኛነቱ ብቐጥታ ብኢ-ሸንስት ንኺገብሮ ዕድል ይረክብ።
በቲ Mobilt BankID ወይ ብኻልእ e-legitimation ኣብ e-tjänsten እቶ ምግዓዝካ ሓብር
እቲ 16 ዓመት ዝመልአ ህጻን ናይ ባዕሉ ናይ ምግዓዝ ሓበሬታ ከቕርብ ይኽእል። ከምዚ ኪብሃል ከሎ፡ እቲ ህጻን ዕድመኡ ኣብ መንጎ 16-18 ዓመት ምስ ዚኸውን እቲ ህጻን ባዕሉ ወይ እቶም ዘዕብዩዎ ኣብቲ ሓበሬታ ኪፍርሙ ይኽእሉ።