På skatteverket.se använder vi kakor (cookies) för att webbplatsen ska fungera på ett bra sätt för dig. Genom att surfa vidare godkänner du att vi använder kakor. Vad är kakor?
በቲ ናይ ዘይሕጋዊ ምልዋጥ ኣድራሻ ዕገት ዚብል ኢ-ሸንስተን ጌርካ ዘይሕጋውያን ሰባት ኣድራሻኻ ከይቅይሩዎ ክትዓግቶም ትኽእል።ኣብቲ ሸንስተን ነቲ ብኢ-ለጊሚታኹን ዚግበር ምልዋጥ ኣድራሻ፡ ስካተቨርከት ጥራይ ከተጽድቖ ብማለት ክትመርጽ ትኽእል። ከምዚ ምስ ዚግበር እቲ ንምጥፍፋእ ወይ ንምትላል ዚግበር ናይ ውልቃዊ ሓበሬታኻ ናይ ምስራቕ ተኽእሎ ኪቕንስ ይኽእል።
ብኢ-ሸንስተን ዚግበር ንዘይሕጋዊ ምልዋጥ ኣድራሻ ምዕጋት፡ ንውልቃውያን ሰባት ጥራይ እዩ ዘገልግል። ንዋኒናት ኣየገልግልን እዩ።
ነቲ ናይ ሸንስተን ኣገልግሎት ተጠቃማይ ንምዃን 18 ዓመት ዝመላእካ ክትከውን ይግባእ።
እቲ ምልዋጥ ብ ኢ-ለጊቲማኹን ጥራይ ኪግበር ኣለዎ ኢልካ ንእትልእኮ ሓበሬታ ኢ-ሸንስተን ተጠቐም።
ነቲ ናትካ ኣድራሻ ብዘይሕጋዊ መገዲ ከይልወጥ ምስ ዓገትካዮ፡ እቶም ኣባላት ስድራቤት እውን ብወገኖም ምሳኻ ኮይኖም ኣድራሻታቶም ኪልውጡ ይኽእሉ እዮም፡ ማለት ኢ-ለጊቲማኹን ዚጥቀሙ እንተ ኾይኖም። ኣባል ስድራቤት ኪብሃል ከሎ ከም በዓልቲቤት፡ በዓልቤት፡ ምዝጉብ መናብርቲ፡ ህጻናትን ወለድን መናብርትን (ሓባራዊ ውላድ ምስ ዚህልወኩም) ማለት እዩ።(ኣድራሻኻ ብናጻ ከም ዚሕሎ ግበር)