ናይ ግብሪ ዝርዝር ኣመልክትን ግብሪ ክፈልን
ኣብ’ዚ እቲ ኣገዳሲ ዝኾነ ብዛዕባ ግብሪ ምምልካትን ምክፋልን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ልዕሊ ዝተወሰነ ደረጃ ኣታዊ ምስ እትረክብ ግብሪ ክትከፍል ኣለካ። እቲ ደሞዝ ዝኸፍለካ እዪ ግብሪ ናብ ትካል ትካል ቤት ጽሕፈት ግብሪ ክኸፍሎ ዘለዎ። ስለዚ ደሞዝ ክተውሃብ ኣንከለኻ እቲ ግብሪ ድሮ ተቖሪጹ ክኸውን ኣለዎ። ነፍሲ ወከፍ ደሞዝ እትወሃበሉ እዋን ናይ ኣታዊ ዝርዝር ወይ ተመሳሳሊ ክትወሃብ መሰል ኣለካ። እቲ ዝርዝር እቲ ከፋሊ ክንደይ ግብሪ ከምዝቖረጸ ዘርኢ እዩ።
ምእንቲ ኣቲ ግብሪ ፍጹም ቅኑዕ ንኽኸውን ሓደ ግዜ ኣብ ዓመት ናይ ኣታዊ ዝርዝር ጸብጻብ ናብ ትካል ትካል ቤት ጽሕፈት ግብሪ ከተቕርብ ኣለካ። እዚ ተመልክት ኣለኻ ኢሉ ይጽዋዕ። እቲ ዝርዝር ጸብጻብ ናይ እቲ ቅድሚ ምምልካትካ ዘሎ ዓመት ዝረኸብካዮ ኣታዊ እዩ ዝምልከት።
ምሰኣመልከትካ እቲ ትካል ትካል ቤት ጽሕፈት ግብሪ እንድሕር እቲ ግብርኻ ቅኑዕ ኮይኑ ይጽብጽብ። ኣብ ታሕሳስ እታ እተመክተላ ዓመት ካብ ትካል ቤት ጽሕፈት ግብሪ ‘’ናይ መወዳእታ ምልክታ ግብሪ’’ ዝብል ደብዳቤ ክመጻካ እዩ። ኣብኡ እንድሕር ዝያዳ ክትከፍል ዘድልየካ ኾይኑ (ዕዳ ግብሪ) እንድሕር ግብሪ ዝምለሰካ ኮይኑ (ግብሪ ምምላስ) ይሕብር እዩ።
መን እዩ ግብሪ ዘመልክት?
እንድሕር ጸብጻብ ዝርዝር ግብሪ ተሰዲዱልካ ኩሉ ግዜ ጸብጻብ ዝርዝር ከተመልክት ኣለካ። እቲ ናይ ግብሪ ዝርዝር ጸብጻብ ብጶስጣ ወይ እንድሕር ዲጂታላዊ ሳጹን ጶስጣ (ቢሎ፡ ኪቭራ ወይ ሚን ሚንዲግሀትስናይ መንግስቲ ፖስትይ) ኣለካ ኾይኑ እዩ ዝመጽእ።
ኣብ ገለ ኩነታት ዋላ ዝርዝር ጸብጻብ ዝርር ግብሪ እንተ ዘይተለኣኸልካ እውን ናይ ግብሪ ዝርዝር ከተመልክት ኣለካ።
ጸብጻብ ዝርዝር ግብሪ እንተዘይመጺኡካ፡ ንገለ ካብ’ዞም ዝስዕቡ ጥቕስታት ኣወ ክትምልስ እንተኺኢልካ ብዘየገድስ ጸብጻብ ዝርዝር ከተመልክት ኣለካ፡
- ኣብ ሃገር ሽወደን ንብሙሉኡ ናይ 2025 ዓመት ተቐሚጥካ ኢኻ፥ ካብ 24 872 ክሮኖር ዝበዝሕ ኣታዊ ድማ ኔሩካ’ዩ። ንኣብነት እዚ ካብ ደሞዝ ወይ ናይ ርእስኻ ኩባንያ ወይ ወላድነት-ደሞዝ ዝረኽብካዮ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
- ኣብ ሃገር ሽወደን ንገለ እዋናት ናይ 2025 ዓመት ተቐሚጥካ ኢኻ፥ ካብ 100 ክሮኖር ዝበዝሕ እቶት ኣብ ሽወደን ኔሩካ እዩ። ንኣብነት እዚ ካብ ደሞዝ ወይ ናይ ርእስኻ ኩባንያ ወይ ወላድነት-ደሞዝ ዝረኽብካዮ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
- ኣብ 2025 ኣብ ሽወደን 200 ኮሮና ወይ ልዕሊኡ ካፒታል ኣታዊ ነይሩካ። ካፒታል ኣታዊ ንኣብነት ናይ ዝተቆጠበ ወለድ ወይ መኽሰብ ካብ መሸጣ ኣክሲኦን ወይ ካል ውሕስነት ክኸውን ይኽእል። ካብ መሸጣ ወይ ክራይ ገዛ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ።
- ኣብ 2025 ካብ ንእሽቶ ትካል ኣታዊታት ነይሩካ። ንኣብነት ምክፍፋል፡ ጥቕሚ ወይ ካልእ ረብሓታት ክኸወን ይኽእል። ሓደ ህዝባዊ ንሽቶ ኩባንያ ማለት ካብ ኣርባዕተ ዘይበዝሑ ሰባት ልዕሊ ፍርቂ ናይ’ቲ ኣክስዮን ዝውንንዎ ኩባንያ እዩ።
- ህንጻ ወይ ክፋል ናይ ህንጻ ብዕለት 1 ጥሪ 2025 ወኒንካ። ህንጻ ንኣብነት ሓደ ቪላ፡ ሓደ ናይ ዕረፍቲ ገዛ ወይ መሬት እዩ።
ካብ ትካል ቤት ጽሕፈት ግብሪ (‘’ትእዛዝ’’) ነቲ ዝርዝር ግብሪ ከተቕርብ ከምዘለካ ዝገልጽ ደብዳቤ መጺኡካ። ትእዛዝ ብጶስጣ ወይ ኣብ ዲጂታላዊ ሳጹን ጶስጣኻ ኣዩ ዝመጽኣካ።
እንድሕር ካብ ሽወደን ወጻኢ ሃገር ኣታዊታት ነይሩካ እውን ዝርዝር ግብሪ ከተቕርብ ከድልየካ እዩ። ኣብ’ቲ ካብ ወጻኢ ሃገር ዝርዝር ኣታዊታት ኣቕርብ ዝብል ገጽ ዝርዝር ሓበሬታ ብዛዕባኡ ትረክብ ኢኻ።
ኣብ ገለ ኩነታት ምሉእ ዓመት ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተቐመጥካ ኣብ ሽወደን ዝርዝር ግብሪ ምቓራብ ከድልየካ ይኽእል እዩ።
እብ’ቲ ዝርዝር ግብሪ እንታይ ክኣቱ ኣለዎ?
እዞም ዝስዕቡ ኣብ’ቲ ዝርዝር ግብሪ ክኣትዉ ዘለዎም ኣብነት ኣዮም፡
- ምስ ክትሰርሕ ኣንከለኻ ዝተሓሓዝ ደሞዝን ካልእ ክፍሊትን
- ጥሮታ
- ናይ ወላዲ ክፍሊትን ናይ ወላዲ ግዝያዊ ክፍሊትን
- ወለድ ናይ ዝተቖጠበ ገንዘብ ንኣብነት ኣብ ባንክ።
እዞም ዝስዕቡ ኣብነታት ኣብ’ቲ ዝርዝር ግብሪ ክኣትዉ ዘይብሎም ኣዮም፡
- ክፍሊት መትከል እግሪ፡ ናይ መትከል እግሪ መመላእታን ክፍሊት ገዛ ኽራይን
- ናይ መናበሪ ደገፍ
- ናይ ቆልዓ ሓገዝ፡ ናይ ገዛ ኽራይ ሓገዝን ናይ ገዛ ኽራይ መምላእታን
- ካብ ናይ ትምህርቲ ማእከል ሽማግለ ናይ ትምህርቲ ገንዘብ
መዓስ ኢኻከ ጸብጻብ ዝርዝር ግብሪ ከተመልክት ዘለካ?
እንተደንጎየ ክሳብ ዕለት 4 ግንቦት ናይ ኣታዊ ግብሪ ጸብጻብካ ናብ ትካል ቤት ዝሕፈት ግብሪ ከተቕርብ ኣለካ።
እንተደንጎየ ዕለት 31 መጋቢት ዝርዝር ግብሪ ኣመልከቲካ እቲ ክምለሰካ ዝኽል ግብሪ ድሮ ኣብ መጅመርያ ወርሒ ሚያዝያ ክወሃበካ ይኽእል ኣዩ። ሽዑኡ ግን ብመንገዲ ኤለትሮኒካዊ ኣገልግሎት፡ ብጽሑፍ መልእኽቲ/አስአምአስ፡ ወይ ብምድዋል ዝርዝር ግብሪ ምምልካት ከድልየካ እዩ። ዝኾነ ይኹን ለውጥታት ክትገብር እውን ይፍቀደካን እዩ።
እንድሕር ድሕሪ ዕለት 31 መጋቢት ግብሪ ኣመልኪትካ ድሒርካ ኢኻ እቲ ገንዘብ ትወሃቦ።
ጸብጻብ ዝርዝር ግብሪ ንኸተመልክት ኣንድሕር ዝያዳ ግዜ ኣድልዩካ
ጸብጻብ ዝርዝር ግብሪ ንኽተመልክት ዝያዳ ግዜ ኣንድሕር ኣድልዩካ ንኸተናውሕ ከተምልክት ትኽእል ኢኻ። ስለ’ዚ ኣብ ክንድኡ ኣንተደንጎየ ዕለት 1 ሰነ ጸብጻብ ዝርዝር ግብሪ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ብዛዕባ ምንዋሕ መመልከቲኻ እንተደንጎየ ዕለት 4 ግንቦት መጺኡና ክኸውን ኣለዎ።
ብዛዕባ ምንዋሕ ብገለ ካብ’ዞም ዝስዕቡ ኣገባታት ገይርካ ከተመልክት ትኽእል፡
- እንድሕር ኤለትሮኒካዊ መንነት ኣለካ ኾይኑ ብመንገዲ ናይ ትካል ትካል ቤት ጽሕፈት ግብሪ መርበብ ሓበሬታ se፡ ብምእታው፡
- ናብ ትካል ትካል ቤት ጽሕፈት ግብሪ ብዝስዕብ ቁጽሪ ስልኪ፡ 0771-567 567 (ካብ ካል ሃገር +46 8 564 851 60) ብምድዋል
- ናብ ሓደ ናይ ኣገልግሎት ቤት ጽሕፈት ብምኻድ
ነቲ ጸብጻ ዝርዝር ግብሪ መመልከቲ ብኸመይ ትመልኦ?
መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ኣታዊኻ ዝኸፍል ኣብ’ቲ ዓመት ክንደይ ከምዘእተኻ ንትካል ቤት ጽሕፈት ግብሪ ይሕብር እዩ። በዚ ምኽንያት ትካል ቤት ጽሕፈት ግብሪ ነቲ መጠን ኣብ’ቲ እንልእኸልካ ጸብጻብ ዝርዝር ግብሪ ድሮ መሊእዎ ዘሎ። እቲ ኣብ’ቲ ጸብጻብ ዝርዝር ግብሪ ትርእዮ ጠቕላላ ኣታዊኻ እዩ፡ ግብሪ ቅድሚ ምንካይ እትረኽቦ ኣታዊኻ እዩ።
እንድሕር ኩሉ ቅኑዕ ኮይኑ
እንድሕር ኣብ’ቲ ጸብጻብ ዝርዝር ግብሪ ዘሎ ቅኑዕ ኮይኑ፡ ነቲ መመልከቲ ፈሪምካ ምቕራብ ጥራይ ኣዩ ዘድልየካ። ነቲ መመልከቲ ከመይ ገይርካ ትልእኾ ዝያዳ ኣብ ዝስዕብ ኣንብብ።
እንድሕር ገለ ክትቅይር ወይ ክትውስኽ ደሊኻ
ሓደ ሕደ ግዜ እብ’ቲ ጸብጻብ ዝርዝር ግብሪ ገለ ክትቅይር ወይ ክትውስኽ የድልየካ እዩ። ንኣብነት ወሃብ ስራሕካ ናብ ትካል ቤት ጽሕፈት ግብሪ ጌጋ ሓበሬታ ገዲፉ ውይ ንስኻ ገዛ ወይ ቦንድ ሸይጥካ ክትኸውን ትኽእል።
እንድሕር ገለ ክትቅይር ወይ ክትውስኽ ኾይንካ ናይ ኣታዊ ጸብጻብ ዝርዝር ግብሪ 1 ቤለትሮኒካዊ ኣገልግሎት ወይ ብወረቐት ከተቐርብ ከድልየካ። ጸብጻብ ዝርዝር ግብሪ ኣብ ኤለትሮኒካዊ ኣገልግሎት ንኽትቅይር ናይ ሽወደን ኤለትሮኒካዊ መንነት የድልየካ። ሓደ ፍሉይ ክኸውን ዝኽል ናይ ካብን ናብን ስራሕ መጓዓዚ ምቕናስ ብኤለትሮኒካዊ ኣገልግሎት ብኮድ እውን ክትገብሮ እትኽእል እዩ። ኣብ Hur skickar du in deklarationen ዝያዳ ኣንብብ።
ቅኑዕ መሰራታዊ ምንካይ’ዶ ተገይሩልካዶ?
ኣብ ሽወደን ክትመጥን ክትስርሕን ከለኻ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ መሰረታዊ ምንካይ መሰል ኣለካ። መሰረታዊ ምንካይ ሓደ ካብ’ቶም ትካል ቤት ጽሕፈት ግብሪ ናይ ደሞዝ ኣታዊታትካ፡ ክፍሊት ወይ ተመሳሳሊ ቅድሚ ግብርኻ ምጽብጻብ ዝገብሮ እዩ። ስለ’ዚ ምንካይ መብዛሕትኡ ግዜ ውሑድ ግብሪ ምኽፋል የድልየካ ማለት እዩ። እንድሕር ናይ ግሊ ኩባንያ ኣለካ ካብ ናይ’ቲ ንጥፈት ኣታዊታት እውን መሰራታዊ ምንካይ ይጽብጸብ እዩ።
ካብ’ታ 67 ዕድመ ትመልኣላ ዓመተ ኣትሒዙ እቲ መሰረታዊ ምንካይ ይልዕል እዩ።
ሕግታት መሰረታዊ ምንካይ ነዞም ዝስዕቡ ይመስሉ፡
- እንድሕር ኣብ ሽወደን ተቐሚጥካን ናይ ምሉእ ዓመት ኣታዊ ነይሩካን ናይ ምሉእ ዓመት መሰረታዊ ምንካይ መሰል ኣለካ።
- እንድሕር ሓደ ውሱን ግዜ ናይ’ቲ ዓመት ኣብ ወጻኢ ተቐሚጢካ ግን እንተወሓደ 90 ካብ ሚእቲ ናይ እቲ ዓመት ናይ ሽወደን ኣትዊኻ ጸብጻብ ዝርዝር ግብሪ ኣመልኪትካ፡ ናይ ምሉእ ዓመት መሰረታዊ ምንካይ መሰል ኣለካ።
- እንድሕር ኣብ ሽወደን ሓደ ክፋል ናይ እቲ ዓመት ተቐሚጥካን ኣታዊ ነይሩካን ና’ቶም ኣብ’ዚ ዝተቐመጥካሎም ኣዋርሕ ናይ መሰረታዊ ምንካይ መሰል ኣለካ።
ትካል ቤት ጽሕፈት ግብሪ ጸብጻብ ዝርዝር ግብሪ ክተውሃብ ከለኻ መብዛሕትኡ ግዜ ድሮ መሰረታዊ ምንካይ ይገብር እዩ። እንድሕር ዘይገበርናዮ፡ ወይ እንድሕር እቲ መሰረታዊ ምንካይ ውሒዱ ኮይኑ ተሰሚዑካ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሽወደን ክንደይ ኣዋርሕ ከምዝሰራሕካን ናቱ መሰረታዊ ምንካይ ከምትደልን ኣብ ዝተረፈ መብርሂታት ባዕልኻ ክትመልኦ የድልየካ።
ምንካይ ክትወሃበሉ እትኽእል ወጻኢታት ነይሩካ’ ዶ?
እንድሕር ክትሰርሕ ንኽትክእል ወጻኢታት ነይሩካ፡ ኣብ ውሱን ኩነታት ኣብ’ቲ ዝርዝር ጸብጻብካ ናቶም ምንካይ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። እቲ ምንካይ ግብሪ ትሑት ከምዝኸውን ይገብር። ንኣብነት ናይ እዞም ዝስዕቡ ምንካይ ክትገብር ትኽእል ኢኻ፡
- ካብን ናብን ስራሕካ ርሑቕ ክትገይሽ የድልየካ
- ብመሰረት ስራሕካ ኣብ’ቲ ስድራኻ ዝቕመጥሉ ቦታ ዘይኮነ ትቕመጥ።
ናይ ውልቃዊ ኩባንያ ኣለካ ድዩ?
እንድሕር ሓደ ውልቃዊ ኩባንያ ኣለካ ኮይኑ ሓደ ናይ ንግዲ መመላእታ እውን ክትመልእ ኣለካ። ብሓንሳብ ምስ’ቲ ጸብጻብ ዝርዝርካ ኢኻ ተቕርቦ። እብ’ቲ ናይ ንግዲ መመላእታ ሓበሬታታት ናይ ኩባንያኻ ንጥፈታት ኢኻ ትመልእ። እቲ ናይ ንግዲ መመላእታ SKV 2161 እዩ ሽሙ ካብ skatteverket.se ክትሓትሞ ወይ በዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ስሊክ 0771-567 567 ናብ ግብሪም ሓበሬታት ብድዋል ክትእዝዞ ትኽእል።
ነቲ ጸብጻብ ዝርዝር ብኸመይ ከምእትመልኦ መምርሒ ኣሎ። እቲ መምርሒ ብሽወደንኛን እንግልሊዝኛን ኣሎ።
ኮዳት ኣብ ናይ ኣታዊ ጸብጻብ ዝርዝር
ናይ እቲ ዝተወሃብካዮ ዝርዝር ጸባጻብ መብዛሕትኡ ግዜ ኮዳት ኣለዎ። እቶም ኮዳት ዝርዝር ጸብጻብ ንኸተቕርብ ክትጥቀመሎም ትኽእል ኢኻ።
እንድሕር ኮዳት ዘይተዋሂብካ መብዛሕትኡ ግዜ መበገሲኡ ኣብ ዝርዝር ጸብጻብካ ገለ ነገር ክትቅይር ስለዘድልየካ እዩ።
እንድሕር ነቶም ኮዳት ኣጥፊእካዮም ሓደሽቲ ክትወሃብ ኣይትክእልን ኢኻ። ከምኡ’ውን ትካል ቤት ጽሕፈት ግብሪ ኣብ ጸብጻብካ ካብ ዝመለእኦምገለ ነገር ስለዝተቐየረ እቶም ኮዳት ምስራሕ እንተ ኣቋሪጾም እውን ይምልከት።
እንድሕር ኮዳት ዘይብልካ ኣብ ክንድኡ ኤለትሮኒካዊ መንነት እንተሃልዩካ ብኤለትሮኒካዊ ኣገልግሎት ገይርካ ዝርዝር ጸብጻብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።
ብኤስኤምኤስ/ብጽሑፍ መልእኽቲ
እንድሕር እዚ ኩሉ ዝስዕብ ምሳኻ ዝሰማማኦ ኮይኑ ብኤስኤምኤስ/ብጽሑፍ መልእኽቲ ገይርካ ዝርዝር ጸብጻብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ፡
- ኮድ ዘለዎ ዝርዝር ጸብጻብ ተዋሂብካ።
- ነቲ ዝርዝር ጸብጻብ ክትቅበሎ ጥራይ ኢኻ።
- ናይ ሽወደን ናይ ሞባይል ምዝገባ ኣለካ።
ብኤስኤምኤስ/ብጽሑፍ መልእኽቲ ገይርካ ብኸም’ዚ ኣገባብ ኢኻ ዝርዝር ጸብጻብ ተቕርብ፡
- ነቲ መመልከቲኻ ቀርቦ ከምኡ’ውን እቶም ሓበሬታታት ቅኑዓት ምዃኖም ኣረጋግጽ።
- ነቶም ግላውያን ኮዳት ርኸቦም። ኣብ ኣብ’ቲ ናይ ጸብጻብ መነጸሪ ኣለው።
- ንኽትፍርም ነቲ ኮድ ቀርቦ። ነቲ ግላዊ ቁጽርኻ ወይ ተመሳሳሊ ከምኡ’ውን ነቲ መፈረሚ ኮድ ብኤስኤምኤስ/ብጽሑፍ መልኽቲ ገይርካ ናብ 71144 ስደዶ። ዋላ እውን ካብ ሽወደን ወጻኢ ኣብ ካልእ ሃገር ኣለኻ ቅድሚ 71144 ናይ ዝኾነ ሃገር መእተዊ ኮድ ኣይትሃብ። ኣብ መንጎ ግላውይ ቁጽርን ናይ ፊርማ ኮድ ዘሎ ቦታ ኣይትረስዕ። ንኣብነት፡ ÅÅMMDDNNNN 99999999።
- ነቲ መልሲ ብኤስኤምኤስ/ብጽሑፍ መልእኽቲ ተጸበ። እቲ ብኤስኤምኤስ/ብጽሑፍ መልእኽቲ ዝርዝር ጸብጻብ ከምዘቕረብካ ኣዩ ዘረጋግጽ። ክሳብ ዝመጸካ ዓሰርተ ደቒቕ ክድንጉይ ይኽእል እዩ።
- ነቲ ናይ መረጋገጺ ኤስኤምኤስ/ብጽሑፍ መልእኽቲ ዓቅቦ።
እንድሕር እቲ ናይ ፊርማ ኮድ ዘይሰሪሑ እቲ ዝርዝር ጸብጻብ ካብ ዝስደደልካ ገለ ነገር ስለዝተቐየረ እዩ። ሽዑኡ ኣብ ኤለትሮኒካዊ ኣገልግሎት ናይ ኣታዊ ዝርዝር ጸብጻብ ብኤለትሮኒካዊ መንነት ኣብ ኤ-ኣገልግሎት ጸብጻብ እቶት 1 ወይ ብወረቐት ገይርካ ዝርዝር ጸብጻብ ከተመልክት ኣለካ።
ብምድዋል
እንድሕር ኮድ ዘለዎ ዝርዝር ጸብጻብ ከምኡ’ን ነቲ ዝርዝር ጸብጻብ ክትቅበሎ ጥራይ ኾይንካ ብምድዋል ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ብምድዋል ብዝስዕብ ኣገባብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።
- ነቲ መመልከቲኻ ኣቕሪብካ እቶም ሓበሬታታት ቅኑዓት ምዃኖም ኣረጋግጽ።
- 1. ነቲ ግላዊ ኮዳትካ ርኸቦም።ኣብ’ቲ ናይ ጸብጻብ ዝርዝር መነጸሪ ኣለው።
- ናብ 020-567 100 (እንድሕር ካብ ሽወደን ወጻኢ ሃገር ትድውል ኣለኻ +46 8 764 92 40) ደውል። ነቶም ተቐዲሖም ዘለዎ መምርሒታት ተኸታተል። ነቶም መምርሒታት ብቋንቋ ሽወደን ወይ እንግሊዝ ክትወሃቦም ትኽእል ኢኻ። ኣብ’ቲ ተለፎን ሓደ መልእኽቲ ክሳብ ዝንበብ ተጸበይ። እቲ መልእኽቲ እቲ ዝርዝር ጸብጻብ መመልከቲኻ ከምዝኣተወ እዩ ዘረጋግጽ። እቲ መልእኽቲ ይዕቀብ እዩ፡ እንድሕር ክትሰምዕ ደሊኻ መሊስካ ክትድውል ትኽእል ኢኻ።
ብመንገዲ ኤለትሮኒካዊ ኣገልግሎት
እንድሕር ናይ ሽወደን ኤለትሮኒካዊ መንነት ኣለካ ኾይኑ ብመንገዲ ኤለትሮኒካዊ ኣግልግሎት ናይ ኣታዊ ዝርዝር ጸብጻብ 1/Inkomstdeklaration 1 ገይርካ ኩሉ ምስ ምምልካት ዘተኣሳስር ዘለዎ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።
እንድሕር ናይ ሽወደን ኤለትሮኒካዊ መንነት ዘይብልካ ግን ኮዳት ዘለዎ ዝርዝር ጸብጻብ ተዋሂብካ፡ በቶም ኣብ’ቲ ናይ ጸብጻብ ዝርዝር መነጸሪ ትረኽቦም። ደሓር ኮዳት ገይርካ ናብ’ቲ ኤለትሮኒካዊ ኣገልግሎት ክትኣቱ ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ ነቲ መመልከቲ ክትቅበሎ ከምኡ’ውን ክህሉ ዝኽእል ናይ መገሻ ምንካይ ክትገብር ትኽእል ኢኻ፡ ግን ክትቅይር ፈጺምካ ኣይትኽእልን ኢኻ።
በዚ ዝስዕብ ኢኻ ኣብ ኤለትሮኒካዊ ኣገልግሎት ተመልክት፡
1. ብኤለትሮኒካዊ-መንነት ወይ በቲ ኣብ’ቲ ናይ ጸብጻብ ዝርዝር መነጸሪ ትረኽቦ ናይ መመለለይ ኮድ ገይርካ እተው። ግላዊ ቁጽርኻ ወይ ተመሳሳሊ ክትጽሕፍ እውን ከድልየካ እዩ። እቲ ኤለትሮኒካዊ-ኣገልግሎት ብቋንቋን ሽወደን እዩ።
2. እቶም ኣብ’ቲ ዝርዝር ጸብጻብ መመልከቲ ዘለው ሓበሬታታት ተቆጻጸሮም ከምኡ’ውን ነቶም ዘድልዩ ለውጥታት ግበር። ኣንድሕር በቶም ኮዳት ኣቲኻ ናይ ናብን ካብን ስራሕ ምንካይ ክትገብር ትኽእል ኢኻ፡ ግን ካልኦት ለውጥታት ክትገብር ፈጺምካ ኣይከኣልን።
3. በቲ ኤለትሮኒካዊ መንነትካ ወይ በቲ ኣብ ናይ ጸብጻብ ዝርዝር መነጸሪ ትረኽቦ ናይ ፊርማ ኮድ ገይርካ ነቲ ዝርዝር ጸብጻብ መመልከቲ ኣጽድቆ። እቲ ዝርዝር ጸብጻብ መመልከቲኻ ናብ ቤት ጽሕፈት ከምዝኣተወ ብኡ ንብኡ ቅብሊት ትወሃብ።
ዝርርዝ ጸብጻብ ብወረቐተ ምምልካት
እንድሕር ዝርዝር ጸብጻብ ከተመልክት ኾይንካ መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ዝተመልአ ዝርዝር ጸብጻብ መመልከቲ ብወረቐት ወይ ናብ ኤለትሮኒካዊ ጶስጣ ሳጹንካ እንድሕር ከም’ዚ ዓይነት ኣለኮ ኮይኑ ይስደደልካ እዩ። እንድሕር ዝርዝር ጸብጻብ መመልከቲ ዘይተዋሂብካ፡ ግን ዝርዝር ጸብጻብ ከተቕርብ ከምዝኾንካ ትፈልጥ ኾይንካ ምንቲ ሓደ ናይ ወረቐት ዝርዝር ጸብጻብ መመልከቲ ክትወሃብ ናብ ናይ ግብሪ ሓበሬታ ክትድውል ወይ ናብ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ክትከይድ ትኽእል ኢኻ።
ዝርዝር ጸብጻብ ብወረቀት ብኸምዚ ኢኻ ተመልክት፡
- እቶም ኣብ’ቲ ዝርዝር ጸብጻብ መመልከቲ ዘለዉ ሓበሬታታት ተቆጻጸሮም።
- እንድሕር ገለ ነገር ክትቅይር ደሊኻ፡ ነቲ ሓድሽ ጠቕላላ ድምር ኣብ’ቲ ክትቅይሮ ትደልይ መስመር ጻዕዳ ትርብዒት ብምጽሕፍ ግበሮ።
- ነቲ ዝርዝር ጸብጻብ መምልከቲ ፈርሞ።
- ኣብ’ታ ሰታሪት ሓደ ቴምብር ገይርካ ነቲ ዝርዝር ጸብጻብ መመልከቲ ናብ ዝስዕብ
- Skatteverket
Inläsningscentralen
Inkomstdeklaration 1
FE 8000
107 75 Stockholm
እንድሕር ካልእ ሰብ ኣብ ክንዳኻ ኮይኑ ከመክልት ኣድልዩ
እንድሕር ባዕልኻ ኸተመልክት ክሽግረካ ከምዝኾነ ፈሊጥካ ካልእ ሰብ ከመልክተልካ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። እቲ ሰብ ወኪል መመልከቲኻ ንኽኸውን ናብ ትካል ቤት ጽሕፈት ግብሪ ከተመልክት ኣለካ።
እንተድንጎየ ሓደ ወርሒ ቅድሚ ዝርዝር ጸብጻብ ምምልካትካ ኣመልክት። ኣብ ናይ ትካል ቤት ጽሕፈት ግብሪ ኤ-ኣገልግሎት Ombud/ወኪልን ፍቓዳትን ወይ ኣብ ሓደ ፎርም ከተመልክት ትኽል ኢኻ። እቲ ፎርም ብቋንቋ ሽወደንን እንግሊዝን ኣሎ። እቲ ኤ-ኣገልግሎት ብቋንቋ ሽወደን ጥራይ እዩ ዘሎ።
ትካል ቤት ጽሕፈት ግብሪ ነቲ ናይ ዝርዝር ጸብጻብ መመልከቲ ወኪልካ ምስተቐበሎ ክሳብ ንስኻ ኣይውክለንን እዩ ኢልካ ትሕብር እቲ ውልቀ ሰብ ኣብ ናይ ቤት ጽሕፈት መዝገብ ወኪልካ ኮይኑ ክቕጽል እዩ።
ግብሪ ክምለሰካ - ግብሪ ምምላስ
ገለ ጊዜ ድሕሪ ዝርዝር ጸብጻብ ምስ ኣመልከትካ ናይ ግብርኻ ናይ መደምደምታ ሓበሬታ ትወሃብ። እንድሕር ኣቲ ግብሪ ምምላስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ግብሪ ዝምለሰካ ኾይኑ ኣብኡ ብጽሑፍ ኣሎ። እቲ ምኽናይት ግብሪ ምምላስ ንኣብነት ካብ’ቲ እትረኽቦ ኣታዊ ብዙሕ ግብሪ ስለዝተቖረጸ ክኸውን ይኽእል።
ኣብ’ቲ ናይ ግብሪ መደምደታ ሓበሬታ እውን ክንደይ ከምዝምልሰካ ጽሑፍ ኣሎ።
ብኸመይን መዓስን እዩ ግብሪ ዝምለሰካ?
እቲ ዝምለሰካ ግብሪ ንኽትወሃብ ናይ ባንክ ሕሳብካ ቁጽሪ ንትካል ቤት ጽሕፈት ግብሪ ክትሕብር የድልየካ። እንድሕር ናይ ባንክ ሕሳብ ዘይብልካ ኾይኑ ናብ ናይ ግብሪ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ስልኪ 0771 567 567 ገይርካ ክትድውል ወይ ናብ ናይ ኣገልግሎት ቤት ጽሕፈት ክትከይድ ትኽእል ኢኻ።
እንድሕር ናይ ባንክ ሕሳብካ ቁጽሪ ኣንተድንጎኻ ናይ ኣታዊኻ ዝርዝር ጸብጻብ ከተቕርብ እንከለኻ ሓቢርካ ገንዘብ ብቐጥታ ናብ ናይ ባንክ ሕሳብካ ዝኣትው።
ቁጽሪ ሕሳብ ድሒርካ እንተ ኣፍሊጥካዮ፡ እቲ ገንዘብ ባዕልኻ ናብቲ ሕሳብ ክኣቱ ክትሓትት ኣለካ።
ነዚ ናብ ናይ ግብሪ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ስልኪ 0771-567 567 ገይርካ ብምድዋል ወይ ናብ ናይ ኣገልግሎት ቤት ጽሕፈት ክትከይድ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ሓደ ናይ ሽወደን ባንክ ዘሎ ናይ ባንክ ሕሳብ ቁጽሪ ሓብር
እንድሕር ናይ ሽወደን ኤለትሮኒካዊ መንነት ኣለካ ነቲ ናይ ናይ ባንክ ሕሳብካ ብኤለትሮኒካዊ ኣገልግሎት Inkomstdeklaration 1/ናይ ኣታዊ ዝርዝር ጸብጻብ 1 ከተቕርብ እንኮለኻ። ነቲ ናይ ባንክ ሕሳብ እውን ኣብ ኤለትሮኒካዊ ኣገልግሎት ናይ ግብሪ ሕሳብ ክትሕብር ትኽእል ኢኻ።
እንድሕር ናይ ሽወደን ኤለትሮኒካዊ መንነት ዘይብልካ ኾይንካ ናይ ባንክ ሕሳብካ ቁጽሪ ንትካል ቤት ጽሕፈት ግብሪ ክትሕብር ትኽእል ኢኻ። ነዚ ብሓደ ካብ’ዞም ዝስዕቡ ኣገባባት ገይርካ ክትገብሮ ትኽእል፡
ኣብ ሓደ ናይ ወጻኢ ሃገር ባንክ ዘሎ ናይ ባንክ ሕሳብ ቁጽሪ ሓብር
እንድሕር ናይ ሽወደን ባንክ ሕሳብ ዘይብልካ ኾይኑ ነቲ ዝምለሰካ ግብሪ ኣብ ሓደ ናይ ወጻኢ ሃገር ባንክ ዘሎ ናይ ባንክ ሕሳብ ክትቅበሎ ትኽእል ኢኻ።. ነቲ ናይ ወጻኢ ባንክ ሕሳብ ሕሳብ ብዝስዕብ ኣገባብ ገይርካ ንቤት ጽሕፈት ግብሪ ክትሕብር ትኽእል ኢኻ፡
- ሓደ ናይ ወጻኢ ባንክ ሕሳብ ከተመልክት ከምእትደልይ ናብ ትካል ቤት ጽሕፈት ግብሪ ደብድቤ ጸሓፍ። ትሕዝቶ ናይ’ቲ ደብዳቤ ከም ዝስዕብ ክኸውን ኣለዎ፡
- ሽምካ፡ ናይ ሽወደን ግላዊቤት ጽሕፈት ክረኽበካ ዝኽእል ናይ ርክብ ሓበሬታታትን። ቁጽርኻ ወይ ቁጽሪ ምውህሃድን
- ናይ ኣቲ ናይ ወጻኢ ሃገርን ናይ ባንክ ሕሳብ IBAN/ኢባንን BIC/ቢክን።
- ፊርማኻን ሽምካን ብንጹርን።
- ካብ’ቲ ናይ ወጻኢ ባንክ ሓደ ናይ ፈለምታ ዓይነት ምስክር ወረቐት ኣዳልው። እቲ ምስክር ወረቐት ዝተጻሕፈሉ ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ንላዕሊ ክሓልፍ የብሉን ከምኡ’ውን እዞም ዝስዕቡ ትሕዝቶታት ክህልውዎ ኣለዎ፡
- እቲ ምስክስር ወረቐት ዝተጻሕፈሉ ዕለት።
- ሽምካን ናይ ሽወደን ግላዊ ቁጽራኻን ወይ ናይ ምውህሃድ ርን።
- እድራሻካን ቁጽሪ ልክኻን።
- ናይ ባንክ ሕሳብካ IBAN/ኢባንን BIC/ቢክን።
- ፊርማ ናይ ባንክ ሰራሕተኛን ናይ ሽም ብንጹርን።
- እቲ ምስክስር ወረቐት ዝተጻሕፈሉ ዕለት።
- ነቲ ሓበሬታትካ ዝሓዘ ደብዳቤን ምስክር ወረቐትን ናብ ዝስዕብ ስደደ፡
Skatteverket
205 30 Malmö
”ስካተቨርከት” (Skatteverket) ነቲ ቁጽሪ ሕሳብ ኪጥቀመሉ እዩ፥ ክሳብ ካልእ ሓበሬታ ዘይሃብካና።
ዝያዳ ግብሪ ምኽፋል - ተረፍ ግብሪ
ቁሩብ እዋን ድሕሪ ዝርዝር ጸብጻብ ምቕራብካ ናይ መደምደታ ናይ ግብሪ ሓበሬታ ትወሃብ። ኣብኡ እቲ ተረፍ ግብሪ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ተወሳኺ ግብሪ ክትከፍል ዘድልየካ ኾይኑ ተጻሒፉ ኣሎ። ተረፍ ግብሪ ንኣብነት ካብ’ቲ ኣታዊ ዝመጸካ ንትካል ቤት ጽሕፈት ግብሪ ውሑድ ግብሪ ስለዝኸፍለልካ ክኾውን ይኽእል።
ኣብ’ቲ ናይ መደምደታ ናይ ግብሪ ሓበሬታ እውን ክንደይ ክትከፍል ከምዘሎካ ከምኡ’ውን ትካል ቤት ጽሕፈት ግብሪ እቲ ገንዘብ መዓስ ከምዘድልዮን ጽሑፍ ኣሎ።
መዓስ ኢኽ ክትክፈል ዘለካ?
ካብ እቲ ናይ ግብርኻ ደምዳም ሓበሬታ ዝተወሃብካሉ ዕለት ኣብ ውሽጢ 90 መዓልቲ ክትከፍል ኣለካ። ኣብ’ቲ ናይ ግብሪ ናይ መደምታ ሓበሬታ፡ እቲ ገነዘብ እንተደንጎየ ኣብ’ቲ ናይ ትካል ቤት ጽሕፈት ግብሪ ሕሳብ ክህልው ዘለዎ ዕለት ጽሑፍ ኣሎ፡ ግን ነቲ ዕዳ ግብርኻ ድሮ ዝርዝር ጸብጻብካ ምስ ተወሃብካ ክትከፍሎ ትኽእል ኢኻ።
ወለድ
ብኸመይ እዩ ክትከፍል ዘለካ?
እቲ ምኽፋል በዚ ዝስዕብ ናይ ባንክ ቁጽሪ 5050-1055 ኢኻ ተመሓላልፎ። ብመንገዲ ስዊሽ እውን ክትከፍል ትኽእል ኢኻ፡ ግን ኣብ ብናይ ሽወደን ኤለትሮኒካዊ መንነት ገይርካ ኣብ skatteverket.se ኣቲኻ ነቶም መመርሒታት ክትካታተል የድልየካ እዩ። እቶም መምርሒታት ብቋንቋ ሽወደን ጥርይ እዮም ዘለው።
ብናይ ሽወደን ኮሮና ክትከፍል ኣለካ። እቲ ግዝያዊ ናይ ሸርፊ ዋጋ ንኽትቋጻጸር ኣይትረሰዕ።
ብባንክ ጂሮ ኣብ ኢንተርነት ባንክ ምኽፋል
ብመንገዲ ብባንክ ጂሮ ብኢንተርነት ባንክኻ ገይርካ ኽትከፍል ትኽእል ኢኻ። ነቲ ክትከፍሎ ዘሎካ መጠን ገንዘብን OCR-nummer/ኦቲካዊ መለለዪ ባህሪ ቁጽሪ (መወከሲ ቁጽሪ) ትመልእ። እቲ OCR-nummer/ኦቲካዊ መለለዪ ባህሪ ቁጽሪ ኣብ’ቲ ናይ ግብሪ ናይ መደምደታ ሓበሬታ ኣብ ናይ ኣታዊኻ ዝርዝር ጸብጻብ ጽሑፍ ኣሎ።
ነቲ OCR-nummer/ኦቲካዊ መለለዪ ባህሪ ቁጽርኻ ኣብ ናይ ትካል ቤት ጽሕፈት ግብሪ ኣገልግሎት እውን ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ፡ ብቋንቋ ሽወደን ጥራይ ኣዩ ዘሎ። ኣብ’ቲ Person- eller organisationsnummer/ግላዊ-ወይ ማሕበር ቁጽሪ ትርብዒት ግላዊ ቁጽርኻ ወይ ተመሳሳሊ ጸሓፍ።
- ናይ ቤት ጽሕፈት ግብሪ ኣገልግሎት ንኦቲካዊ ባህሪ መመለይ ቁጽሪ (ብቋንቋ ሽወደን):
ብመኽፈሊ ካርድ ገይርካ ብባንክ ጂሮ ምኽፋል
እንድሕር ብሓደ ድሮ ዝተመልአ ናይ መኽፈሊ ካርድ ገይርካ ብባንክ ጂሮ ኣመሓላሊፍካ ከፊልካ ነቲ መጠን ገንዘብ ምምላእ ጥራይ እዩ ዘድልየካ። ናብ ናይ ግብሪ ሓበሬታ ብምድዋል ወይ ናብ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ብምኻድ ነቲ ናይ መኽፈሊ ካርድ ክትጠልቦ ትኽእል ኢኻ።
ቅድሚ እቲ ገንዘብ ናብ ትካል ቤት ጽሕፈት ግብሪ ዝበጽሕ ገለ ናይ ባንክ መዓልትታት ከምዝወስድ ሕሰብ።
ካብ ሓደ ናይ ወጻኢ ባንክ ምኽፋል
ካብ ሓደ ናይ ወጻኢ ባንክ ምኽፋል ልክዕ ከም’ቲ ካብ ናይ ሽወደን ባንክ ኣገባብ ኣከፋፍላ እዩ ዝሰርሕ። ይኹን እምበር ነዞም ዝስዕቡ ሓበሬታት ምምላእ የድልየካ እዩ፡
- ኢባን-ቁጽሪ፡ SE56 8000 0890 1196 4624 0516
- ቢክ-/ስዊፍትኮድ፡ SWEDSESS
- ባንክ፡ ስውወድባንክ ኣበ፡ አስአ-105 34 ስቶክሆልም
- ተቀባሊ ክፍሊት፡ ቤት ጽሕፈት ግብሪ፡ አስአ-831 87 ኦስተርሱንድ
- ግላዊ ቁጽርኻ ወይ ቁጽሪ ኦሲኣር
እንድሕር ብዛዕባ ምምልካት ዝርዝር ጸብጻብ ዓሚቝ ሓበሬታ ኣድልዩካ
ኣብ ካልኦት ገጻት ናይ skatteverket.se ብዛዓባ ናይ ኣታዊ ዝርዝር ጸብጻብ ምምልካት ዓሚቚ ሓበሬታ ኣሎ። ብቋንቋ ሽወደን ጥራይ ሓደ ሓደ ግዜ ከኣ ብንግሊዝኛ እዩ ዘሎ።
እንድሕር ዝርዝር ሓበሬታ ከምኡ’ውን ናይ ቋንቋ ሽወደን ወይ እንግሊዝኛ ጽሑፍ ዘይርደኣካ ኾይኑ ናብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ክትበጽሕ ወይ ናብ ናይ ትካል ቤት ጽሕፈት ግብሪ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ስልኪ 0771-567 567 ክትድውል ምርሑብ ኢኻ።
