ናይ ሓንቲ ካብ ሃገራት ሕብረት ቁጠባዊ ኤውሮጳ EU/EES ወይ ዜግነት ኣልቦ ኢኹም
እቶም ናብ ሽወደን ዝገዓዝኩም እሞ ብውሑዱ ኸኣ ንሓደ ዓመት ኣብ ሽወደን ክትነብሩ መደብ ዘለኩም፡ ኣብ መብዝሕትኡ ኩነት ኣብዚ ክትምዝገቡ ኣለኩም። ዜጋ ናይ ሓንቲ ካብ ሃገራት ሕብረት ቁጠባዊ ኤውሮጳ EU/EES እንተዘይኴንኩም ወይ’ውን ዜግነት ኣልቦ እንተዄንኩም፡ ናብ ሽወደን ምግዓዝኩም ከተመልክቱ ከለኹም፡ ሕጋዊ ካርድ መንበሪ ፍቓድ ከተርእዩ ከድልየኩም እዩ።
ንህዝባዊ ምዝገባ ዘድሊ ቅድመ ኩነት ከም ዘማላእኩም ዝውስን ቤት ጽሕፈት ግብሪ እዩ። ኣብ ህዝባዊ ምዝገባ ማለት ኣብ ሽወደን ነባሪ ምዃንኩም ምምዝጋብ ማለት’ዩ። እንምዝግቦ ውልቃዊ ሓበሬታ ንኣብነት፡ ኣድራሻኹም፡ ዝተወለድኩሙሉ ቦታ፡ ስምን ኩነታት መርዓን። ንመጀመርታ ጊዜ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ሽወደን ምስ ሰፈርኩም፡ ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት ክወሃበኩም’ዩ።
ፍቓድ መንበሪ እንተዘይብልኩም ግናኸ ሓደ ካብ ስድራቤትኩም ኣብ ሽወደን ንምንባር መሰል ዘሎዎ ዜጋ ሃገራት ሕብረት ቁጠባዊ ኤውሮጳ EU/EES ዝኾነ እንተ ዄንኩም፡ ንዓኹም ዝምልከት እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ከተንብቡ ትኽእሉ።
ምግዓዝ ናብ ሽወደን ብኸምዚ ዝስዕብ ተመልክቱ
ምልክታኹም ንምእታዉ፡ Flytta till Sverige ዝብል ኣገልግሎት ተጠቐሙ። እቲ ኣገልግሎት ብእንግሊዝኛ፡ ዓረብን ሽወደንን ኣሎ። ኣብ ቤት ጽሕፈት’ውን ነቲ ኣገልግሎት ንምጥቃም ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ኤለክትሮኒካዊ ኣገልግሎትና ተጠቀሙ
መንነታዊ ቍጽጽር ንምግባር ቈጸራ ሓዙ
ናብ ሽወደን ምስ ገዓዝኩም፡ መንነታዊ ቍጽጽር ንምግባር፡ ንስኹምን ምሳኹም ሓቢሮም ናብ ሽወደን ዝግዕዙ ኣባላት ስድራቤትኩምን ግድን ብኣካል ኣብ ቤት ጽሕፈት ክትርከቡ ኣለኩም።
ንመንነታዊ ቍጽጽር ኣብ ዝተመርጻ ቤት ጽሕፈት ቈጸራ ክትሕዙ ኣለኩም። ሽዑ ድማ እንተደኣ ድሮ ብዲጂታል ዘየመልከትኩም ኴንኩም፡ ከተመልክቱ ትኽእሉ።
- ናብ ሽወደን ንምግዓዝን ውህደተ ቍጽሪ (ማእከል ኣገልግሎት መንግስቲ) (ብሽወደንን እንግሊዝን እተጻሕፈ ኤለክትሮኒካዊ ኣገልግሎት ኣሎ)
- ኣብያተ ጽሕፈታትና ኣብዚ ኣለዋ (ሓበሬታ ብሽወደን)
ምግዓዝ ከተመልክቱ ከለኹም፡ እዚ የድልየኩም
ምስ ምልክታኹም ተተሓሒዙ ዘድልየኩም
- መንነትኩም ከተርእዩ
- ናይ ሽወደን ካርድ መንበሪ ፍቓድ
- ኣብ ሽወደን ንመንበሪኹም ዝምልከት
- ኣበይ ከም እትነብሩ ምርኣይ
- ስድራቤታዊ ዝምድናኹም ከመይ ከም ዝመስል ከተርእዩ
መንነትኩም ከተርእዩ
ኣብ ኣብያተ ጽሕፈትና ክትበጽሑ ከለኹም፡ መንነትኩም ክንቈጻጸር ኢና። ስለዚ መንነታዊ ቍጽጽር ንምግባር፡ ፓስፖርትኹም፡ ናይ መገሻ ሰንዳትኩም ወይ ካልእ ንመንነት ዝገልጽ ሰነድ ከተረክቡ ክትሕተቱ ኢኹም።
ኣብ መንነታዊ ቍጽጽር፡ እቲ ሰራሕተኛ ወሃቢ ኣገልግሎት፡ ንሰነዳትኩም ክቘጻጸር፡ ኣብ ገለ ኩነት ድማ ቅዳሕ ከትርፍ እዩ። ድሕሪ ቍጽጽር እቲ ሰነዳትኩም ክምለሰልኩም እዩ።
ናይ ሽወደን ካርድ መንበሪ ፍቓድኩም ኣርእዩ
ካብ ቤት ጽሕፈት ሚግሬሽን ሕጋዊ ካርድ መንበሪ ፍቓድ ከተርእዩ ኣለኩም። ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ኣገልግሎት፡ በቶም ተቘጻጸርቲ፡ ነቲ ካርድ መንበሪ ፍቓድ ከተረክቡ፡ ኣብ ገለ ኩነት’ውን ቅዳሕ ናይቲ ሰነድ ክወስዱ ክትሕተቱ ኢኹም። ድሕሪ ቍጽጽር እቲ ካርድ መንበሪ ፍቓድ ክምለሰልኩም እዩ።
መንበሪ ፍቓድ ዘይብልኩም እንተዄንኩም፡ ንመንበሪ ፍቓድ ሽወደን ብዝምልከት ንቤት ጽሕፈት ሚግሬሽን ክትረኽብዎም ትኽእሉ።
ካብ ካልእ ሃገራት ሕብረት ቁጠባዊ ኤውሮጳ EU/EES መንበረ ፍቓድ እንተሎኩም፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ሚግሬሽን መንበሪ ፍቓድ ሽወደን ክወሃበኩም ኣመልክቱ።
ኣብ ሽወደን ንመንበሪኹም ዝምልከት
ኣብ ሽወደን ንምንታይ ከም እትጸንሑ ሓብሩ። ንኣብነት ከምዚ ዝስዕብ ከተርእዩ ትኽእሉ
- ካብ ቤት ጽሕፈት ሚግሬሽን ንዓኹም ወይ ንኣባል ስድራቤትኩም ዝተዋህበ ውሳነ መንበሪ ፍቓድ
- ናትኩም ወይ ናይ ኣባል ስድራቤትኩም ውዕል ስራሕ
- ናትኩም ወይ ናይ ኣባል ስድራቤትኩም ምስክር ወረቐት ትምህርቲ
ኣብብ ሽወደን እንተወሓደ ንሓደ ዓመት ክትነብሩ ምዃንኩም ዘርኢ፡ ካልእ ሓበሬታ’ውን ከተቕርቡ ትኽእሉ።
ኣበይ ከም እትነብሩ ኣርእዩ
ከተቕርብዎ ዘለኩም
- ምሉእ ኣድራሻ ናይቲ እትነብሩሉ ቦታን እትድቅሱሉን
- ቍጽሪ ኣፓርትመት እንተሎ። እዚ ቍጽሪ እዚ ኣርባዕተ ኣሃዛት ዝሓዘ እዩ፡ መብዝሕትኡ ጊዜ ድማ ኣብ ውዕል ክራይ ገዛ ወይ ኣብ መንደቕ መደያይቦ ይርከብ
- ምስ ካልእ ትነብሩ እንተዄንኩም፡ ስም ናይቲ ምስኡ እትነብሩ
ስምኩም ኣብ ማዕጾ ወይ ኣብ ሳንዱቕ ፖስታ ከም ዘሎ ኣረጋግጹ። ብኸመይ ትነብሩ ዝገድስ ኣይኰነን። እንተደኣ c/o (care of) ጽሒፍኩም፡ እዚ ኣብ ቤት ጽሕፈት ግብሪ ኣይክምዝገብን እዩ።
ጊዝያዊ መንበሪ ምስ ዝህልወኩም
ጊዝያዊ መንበሪ ምስ ዝህልወኩም
እትነብሩሉ ንኣብነት ኣብ ሆቴል፡ ወይ መቐበል ኣጋይሽ እንተዀይኑ፡ ኣብቲ ምልክታኹም ኣድራሻ ከተቕርቡ ኣለኩም። ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ቅድሚ ምምዝጋብኩምን ውልቃዊ መለለዪ ቍጽሪ ቅድሚ ምቕባልኩምን፡ ናብ ካልእ ኣድራሻ እንተቐይርኩም፡ ካበየናይ ዕለት ኣትሒዝኩም ከም ዝቐየርኩም ክትሕብሩ የድሊ። እዚ ኸኣ ኣብ ቤት ጽሕፈት ብምምጻእ ወይው’ን ንመብርሂ ቤት ጽሕፈት ግብሪ ብምርካብ ክትገብርዎ ትኽእሉ።
ኩነታት ስድራቤትኩም ከመይ ከም ዝመስል ኣርእዩ- ንበይንኹም ትግዕዙ
ንበይንኹም ኣብ እትግዕዙሉ ወይ ከኣ ስድራቤትኩም ድሒሮም ናብ ሽወደን ኣብ ዝግዕዙሉ፡ ቤት ጽሕፈት ግብሪ ንኹነታት መርዓኹም ኣብ ህዝባዊ መገብ ክምዝግብ የድልዮ።
- ዝተመርዓኹም እንተዄንኩም ወይ ተመርዒኹም እንተኔርኩም መርትዖ ሰነድ የድልየኩም። እዚ ንኣብነት ምስክር ወረቐት መርዓ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት መዝገብ ዝወጸ ጽሕፈት፡ ወረቐት ፍትሕ፡ ምስክር መዋቲ፡ ወይ ስድራቤታዊ መጽሓፍ ክኸውን ይኽእል።
- ፈጺምኩም ዘይተመርዓኹም እንተዄንኩም፡ ዋላ ሓደ ከተርእዩ ኣየድልየኩምን’ዩ።
እዞም ሰነዳት እንተዘይብልኩም ንመንበሪ ፍቓድ ዝምልከት ውሳነ ካብ ካብ ቤት ጽሕፈት ሚግሬሽን ወይ ንኹነታት መርዓ ዝምልከት ካልእ ሰነድ ንቤት ጽሕፈት ግብሪ ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል’ዩ።
ድሒሩ ንዝስዕብ ኣባል ስድራቤት ብዝምልከት እንታይ ክኸውን ከም ዘለዎ ዝሕብር ኣብዚ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ይርከብ።
ስድራቤታዊ ርክባትኩም ከመይ ከም ዝመስል- ንስኹም ከምኡውን ስድራኹም ትግዕዙ
ናብ ሽወደን ምስ ስድራ ቤትኩም ብሓባር ክትግዕዙ ከለኹም፡ ኣብ ገለ ኩነት፡ ቤት ጽሕፈት ግብሪ ንስድራቤታዊ ርክባትኩም ክምዝግብ የድልዮ።
መጻምድቲ ወይ ምዝጉብ መናብርቲ
መጻምድቲ ወይ ምዝጉብ መናብርቲ
ምስ ብዓልቲ ቃል ኪዳንኩም ወይ ምዝግብቲ መናብርትኹም ክትግዕዙ ከለኹም፡ ንዕኡ ዘመልክት ሰነድ ክህልወኩም ኣሎዎ። ንኣብነት ምስክር ወረቐት መርዓ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ምዝገባ ህዝቢ ዝወጸ ሰነድ ወይ ስድራቤታዊ መጽሓፍ ክኸውን ይኽእል።
እዞም ሰነዳት እንተዘይብልኩም፡ ንመንበሪ ፍቓድ ዝምልከት፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ሚግሬሽን ዝተዋህበኩም ውሳነ፡ ወይ ንኹነታት መርዓ ዝምልከት ካልእ ሰነድ፡ ንቤት ጽሕፈት ግብሪ ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል’ዩ።
ትሕቲ 18 ዓመት ህጻን
ትሕቲ 18 ዓመት ህጻን
ምሳኹም ዝግዕዝ ትሕቲ 18 ዓመት ህጻን ምስ ዝህልወኩም፡ ነቲ ህጻን ብሓላፍነት ዘዕብዩ መን ምዃኖም ከተርእዩ ኣለኩም
ንኣብነት ከም ምስክር ልደት ዝኸውን ሰነድ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ምዝገባ ህዝቢ ዝወጸ ሰነድ ወይ ከኣ መጽሓፍ ስድራ ከተርእዩ ትኽእሉ። ሕጋዊ ሰነድ ሞግዚትነት ወይ ብሓላፍነት ንምዕባይ ዝተዋህበ እንተሎ’ውን ከተርእዩ ኣለኩም። እዞም ሰነዳት እንተዘይብልኩም፡ ንዝምድናኹም ዝምልከት ናትኩም ወይ ናይ ውላድኩም መንበሪ ፍቓድ ዝምልከት፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ሚግሬሽን ከተቕርቡ ንቤት ጽሕፈት ግብሪ ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል።
ንትሕቲ 18 ዓመት ህጻን ዝምልክት ምልክታ ምግዓዝ ናብ ሽወደን፡ ምስ ናይቶ ብሓላፍነት ዘዕብዩ ብሓባር ይምላእ። ሓደ ካብቶም ብሓላፍነት ከዕብዩ ዘለዎም ኣብ ቤት ጽሕፈት እንተዘይተረኺቡ፡ ነቲ ህጻን ናይ ምሓዝ ቀዳምነት መሰል ክህልዎ ይኽእል’ዩ። ንስኹም ከም ሓላፍነት ዘለኩም መጠን፡ ካብቲ ካልኣይ ፍቓድ ከም ዝረኸብኩም ብጽሑፍ ዝቐረበ ሰነድ ከም ዝህልወኩም ትገብሩ።
ቤት ጽሕፈት ግብሪ ክረኽበኩም ክኽእል ኣሎዎ
ቤት ጽሕፈት ግብሪ ካባኹም ተወሳኺ ሓበሬታ ምስ ዝደሊ፡ መብዝሕትኡ ጊዜ ደብዳበ ኢና እንልእኽ፡ ብኢመይልን ብቴለፎንን’ውን ክንረኽበኩም ንኽእል ኢና።
ኣብቲ ፖስታ እትቕበሉሉ ቦታ ንኣብነት ሳንዱቕ ፖስታ፡ ስምኩም ኣብኡ ክህሉ ኣገዳሲ እዩ። ቤት ጽሕፈት ግብሪ ክረኽበኩም እንተዘይክኢሉ፡ ናብ ሽወደን ከም ዝኣተኹም ዝሕብር ጉዳይኩም ክርአ ኣይክኣልን’ዩ። እዚ ኸኣ ኣብ መዝገብ ኣይክትሰፍሩን ውልቃዊ መለለዪ ቍጽሪ’ውን ኣይክትረኽቡን ኢኹም ማለት ክኸውን ይኽእል’ዩ።
መንነት ወረቐት ንምርካብ ኣመልክቱ
ውልቃዊ መለለዪ ቍጽሪ ምስ ተወህብኩምን ምስ ተመዝገብኩምን፡ መንነት ወረቐት ንኽወሃበኩም ከተመልክቱ ትኽእሉ።
