På skatteverket.se använder vi kakor (cookies) för att webbplatsen ska fungera på ett bra sätt för dig. Genom att surfa vidare godkänner du att vi använder kakor. Vad är kakor?
ቅቡል ናይ መንነት ሰነድ ምስ ዘይህልወካ እቲ መጠየቕታኻ ብሓደ ቅቡል መስካሪ ዚብሃል ሰብ ኪረጋገጸልካ ይኽእል እዩ። ሓንቲ ካብተን ናይ ስካተቭርከት (ቤትጽሕፈት ቀረጽ) ኣብያተጽሕፈት ኣገልግሎት ክትበጽሕ ከሎኻ ንሱ ምሳኻ ኪህሉ እዩ።
ቅቡል መስካሪ ከምዚ ዚስዕብ ቅድመኩነት የማልእ፤
እቲ ንፎቶኻን ውልቃዊ ሓበሬታኻን ልክዕ ምዃኑ ዚምስክር ሰብ ነቲ ናይ ወረቐት መንነት ፎርም Intygsgivare (SKV 1503) ኪጥቀም ይግባእ።
ንስኻን ቅቡል ምስክርካን ከም መናብርቲ/ ሳምቦ ንኽትቁጸሩ እዚ ዚስዕብ ኪማላእ ይግባእ፤
ሓደ ካብዞም ዚስዕቡ፡ ምስክር (intygsgivare) ኪኸውን ይኽእል። ምሳኻ ዝምድና ዘለዎን ኣጸቢቑ ዝፈልጠካን ኪኸውን ይግባእ። ንሱ፡ ምሳኻ እንታይ ዝምድና ከም ዘለዎ ዚገልጽ ውሳነ ወይ ምስክር ኪማላእ ይግባእ። ከም ንኣብነት፤