ናይ ካልእ ሰብ ወረቐት መንነት ምቍጽጻር
ኣብ ሓደ ባንክ ክትሰርሕ ከሎኻ ወረቐት መንነት ብሎክድ (ዕጹው) ከይከውን ምስ እትጠራጠር፡ በቲ ኣብቲ ካርድ ዘሎ ሓበሬታ ጌርካ እቲ ወረቐት መንነት ዘገልግል ወይ ዘየገልግል ምዃኑ ንምርግጋጽ ደውል።
ብጫ ሕብሪ ዘለዎም ወረቐት መንነት ካብ ሰነ 2009 ክሳዕ መጋቢት2013 ዘሎ ግዜ እተዋህቡ እዮም። ነዚ ንምርግጋጽ 08-530 385 13 ደውል።
ሰማያዊ ዝሕብሮም ወረቐት መንነት ግን ካብ መጋቢት 2013 ጀሚሮም እተዋህቡ እዮም። ነዚ ንምርግጋጽ ድማ 0152-266 89 ደውል።
ነቶም ኣብ ሽወደን እተመዝገቡ ዚውሃብ ወረቐት መንነት
እቲ ብስካተቨርከት ካብ ሰነ 2009 ጀሚሩ ዚውሃብ ወረቐት መንነት "ነቶም ኣብ ሽወደን እተመዝገቡ ዚውሃብ ወረቐት መንነት" ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ። እዚ ካርድዚ ምስቲ ሃገራዊ ናይ ድሕነት ማእከል (ኣቐዲሙ ከም መንግስታዊ ናይ ገበን ላቦራቶሪ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ዝነበረ) ምስ ፖሊስን ምስ ኣቕረብቲ ወረቐት መንነትን ብምትሕብባር እዩ ተሰሪሑ።
ነቲ ካብ መጋቢት 2013 ዚጅምር ወረቐት መንነት ብቑዕ ምዃኑ ዘርእይ ናይ ውሕስነት ሓበሬታ
እዚ ዚስዕብ መግለጺ እቲ ብስካተቨርከት ካብ ሰነ 2013 እተላእከ ወረቐት መንነት ብቑዕ ምዃኑ ከመይ ጌርካ ከም እተረጋግጽ የርእይ

እቲ ኣብ ስእሊ ዘሎ ኣሃዛት ነዚ ዚስዕብ የመልክት
- ናይ UV-ቅርጺ UV-ብርሃን ምስ ሃረሞ ብጫ ሕብሪ ይህብ
- እቲ ናይ ወናኒ ካርድ ስእልን ጽሑፍን IDK በቲ ካርድ ተበሲዑ እዩ
- ኣብቲ ሕንጻጻት ዘለዎ ቦታ እቲ ስእልን ቍጽሪ ሃገራዊ መንነትን/ፐርሾንኑመርን ይለዋወጥ
- ኣብቲ ንእሽቶ መስኮት ናይቲ ካርድ ጽላሎት ዚመስል ስእሊ ይረአ
- ኣብቲ ናይ ስእሊ የማናይ ክፋል ሕብርን እተፈላለየ ቅርጽታትን ይረአ
- ኣብቲ ካርድ ሚክሮተክስት ኣሎ (ብመዕበዪ መነጽር ጌርካ ኪረጋገጽ ይከኣል)
ነቲ ካብ ሰነ 2009 ዚጅምር ወረቐት መንነት ብቑዕ ምዃኑ ዘርእይ ናይ ውሕስነት ሓበሬታ
እዚ ዚስዕብ መግለጺ እቲ ብስካተቨርከት ካብ ሰነ 2009 እተላእከ ወረቐት መንነት ብቑዕ ምዃኑ ከመይ ጌርካ ከም እተረጋግጽ የርእይ
እቲ ኣብ ስእሊ ዘሎ ኣሃዛት ነዚ ዚስዕብ የመልክት
- ናይ UV-ቅርጺ UV-ብርሃን ምስ ሃረሞ ብጫ ሕብሪ ይህብ
- እቲ ናይ ወናኒ ካርድ ስእልን ጽሑፍን IDK በቲ ካርድ ተበሲዑ እዩ
- ናይ ወናኒ ካርድ ዕለት ልደትን ናይቲ ስም ቀዳማይ ፊደልን ከምኡውን ቀዳማይ ፊደል ናይ ስም ኣቦን ኣብቲ ሕንጻጻት ዘለዎ ቦታ ይለዋወጥ
- ክፋል ናይቲ ፎቶ ዚኸድን ኪነግራም ክልተ እተፈላለየ ቅርጽታት የርእይ
- ኣብቲ ናይ ፊትን ናይ ድሕሪትን ገበር ሚክሮተክስት ኣሎ (ብመዕበዪ መነጽር ጌርካ ኪረጋገጽ ይኽእል)
- ኣብቲ ገበር ናይ ስካተቨርከት ሕብሩ ዚለዋወጥ ሕታም (OVI) ኣሎ
ናይቲ ወናኒ ቁመት ብሰንቲመተር ተዋሂቡ ከብቅዕ ብንእሽቶ ሰንቲመተር (cm) ወይ ብዓቢ ሰንቲመተር (CM) ፊደላት እዩ ሰፊሩ ዘሎ
ኣብቲ ሸውዓተ ደረጃታት" ወይ ዶም ኹ ስተገን ዚብል ናይ ሽወደን ማሕበር ባንክታት መጽሔት፡ ነቶም ኣብ ሽወደን እተመዝገቡ ዝዓለመ ወረቐት መንነት ተጠርኒፉ ኣሎ
