ወረቐት መንነት ክትሓትት ከሎኻ ዘድልዩኻ ቅቡላት ሰነዳት መንነት
ወረቐት መንነት ክትሓትት ከሎኻ ነቲ መንነትካ ብቅቡልን ብቑዕን ሰነዳት መንነት ከተደልድሎ ይግባእ። ብቑዕ ሽወደናዊ ሰነድ መንነት፡ ስእልን ፐርሾንኑመርን ምሉእ ስምን ፊርማን ዝወድቀሉ ዕለትን ዝሓዘ ኪኸውን ይግባእ።
ኣየናይ ሰነድ መንነት ነየናይ ጉዳይ ብቑዕ ምዃኑ ንምፍላጥ ብተወሳኺ ኣንብብ
- ንሽወደናዊ ዜግነት
- ንኤውሮጳዊ ሕብረት/ኤውሮጳዊ ቁጠባዊ ሕብረት EU-/EES ዚምልከት ዜግነት
- ናይ ካልኦት ሃገራት ዜግነት
ሽወደናዊ ዜግነት
መንነትካ ንምርግጋጽ እዘን ዚስዕባ ናይ መንነት ሰነዳት ቅቡላት እየን፤
- ካብ ስካተቨርከት እተዋህበ ወረቐት መንነት
- ወይናዊ-ቀዪሕ ዝሕብሩ ናይ ሽወደን ፓስፖርት
- ሃገራዊ ሽወደናዊ ወረቐት መንነት
- ሽወደናዊ ካርድ ፍቓድ ምዝዋር ማኪና
- SIS ምልክት ዘለዎ ካብ ባንክ፡ ኩባንያ ወይ ትካል መንግስቲ እተዋህበ ወረቐት መንነት
- ካብ መንግስታዊ ትካል እተዋህበ ሽወደናዊ ናይ ስራሕ ካርድ
ብቑዕ ሽወደናዊ ሰነድ መንነት፡ ስእልን ፐርሾንኑመርን ምሉእ ስምን ፊርማን ዝወድቀሉ ዕለትን ዝሓዘ ኪኸውን ይግባእ።

ንኤውሮጳዊ ሕብረት/ኤውሮጳዊ ቁጠባዊ ሕብረት EU-/EES ዚምልከት ዜግነት
መንነትካ ንምርግጋጽ እዘን ዚስዕባ ናይ መንነት ሰነዳት ቅቡላት እየን፤
- ካብ ስካተቨርከት እተዋህበ ወረቐት መንነት
- ሃገራዊ ሽወደናዊ ወረቐት መንነት
- ሽወደናዊ ካርድ ፍቓድ ምዝዋር ማኪና
- SIS ምልክት ዘለዎ ካብ ባንክ፡ ኩባንያ ወይ ትካል መንግስቲ እተዋህበ ወረቐት መንነት
- ካብ መስከረም 1-2006 ጀሚሩ ወይ ብድሕሪኡ እተዋህበ ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ፓስፖርት
ፓስፖርት ኤውሮጳዊ ሕብረት ነዚ ይመስል
ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ፓስፖርት ብናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ሃገር እዩ ዚወሃብ፡ በቲ ናይ EG መምርሒ 2252/2004 ድማ ይጥርነፍ። ንሱ በዚ መገድዚ እዩ ዚልለ፤
- ወይናዊ ቀዪሕ ሽፋን ኣለዎ፡ ኣብቲ ቀዳማይ ገበሩ ድማ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዚብል ጽሑፍ ኣለዎ
- ናይ ባዮመትሪ ምልክት ኣለዎ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ ድማ ነቲ ወናኒ ዚምልከት ፡ ከም ፍሉይ ኣካላዊ ቅርጽን ኣሸራን ዝሓዘ ናይ ማይክሮቺፕ ሓበሬታ ኣለዎ ማለት እዩ።
- ካብ መስከረም 1-2006 ጀሚሩ ካብ ኢስላንድን ላይሽስተስታይን ኖርወይ ወይ ስዊሰርላንድ ዚውሃብ ፓስፖርት ልክዕ ከምቲ ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ናይ ውሕስነት ደረጃ ኣለዎ፡ ከምዚ ብምዃኑ ድማ ቅቡል ናይ መንነት ሰነድ እዩ።

ናይ ካልኦት ሃገራት ሃገራዊ ወረቐት መንነት ቅቡል ኣይኮነን
መንነት ንምርግጋጽ ናይ ካልኦት ሃገራት ወረቐት መንነት ከም ናይ መንነት ሰነድ ተቐባልነት የብሉን። ሃገራውያን ወረቐት መንነት ከምቲ ናይ EG መምርሒ 2252/2004 ሓባራዊ ደረጃ የብሉን።
ናይ ካልኦት ሃገራት ዜጋታት
መንነትካ ንምርግጋጽ እዘን ዚስዕባ ናይ መንነት ሰነዳት ቅቡላት እየን፤
- ካብ ስካተቨርከት እተዋህበ ወረቐት መንነት
- ሽወደናዊ ካርድ ፍቓድ ምዝዋር ማኪና
- SIS ምልክት ዘለዎ ካብ ባንክ፡ ኩባንያ ወይ ትካል መንግስቲ እተዋህበ ወረቐት መንነት
- ካብ መንግስታዊ ትካል እተዋህበ ሽወደናዊ ናይ ስራሕ ካርድ
