På skatteverket.se använder vi kakor (cookies) för att webbplatsen ska fungera på ett bra sätt för dig. Genom att surfa vidare godkänner du att vi använder kakor. Vad är kakor?

Logotyp, till startsidan

ምክፍፋል ጥሪት/ንብረት

ምምቕቓል ንብረት ማለት፡ ንስኻትኩም ሰብሓዳር ነቲ ጥሪትኩም ትካፈሉዎ ማለት እዩ። ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ግዜ ፍትሕ እዩ ናይ ንብረት ምምቕቓል ዚካየድ። ይኹንምበር ምስ እትደልዩ ኣብ ግዜ ሓዳርኩም እውን ንብረት ክትማቐሉ ትኽእሉ ኢኹም።

  • ንኽትፋትሑ ኢልኩም ንብረት ክትመቓቐሉ ከሎኹም ኣቐዲምኩም ናብ ወረዳ ቤትፍርዲ ናይ ፍትሕ መጠየቕታ ከተቕርቡ ይግባእ
  • ኣብ ግዜ ሓዳርኩም ንብረት ክትማቐሉ ምስ እትደልዩ ኣቐዲምኩም ናብ ስካተቨርከት ሓበሬታ ክተቕርቡ ይግባእ
  • ንኽትፋትሑ ኢልኩም ወይ ኣብ ግዜ ሓዳርኩም ብዘየገድስ ንብረትኩም ክትማቐሉ ምስ እትደልዩ፡ ነቲ ናይ ምምቕቓል ሰነድ ኣብ ስካተቨርከት ንምምዝጋብ ወይ ንዘይምምዝጋብ ናታትኩም ምርጫ እዩ።

ነቲ ናይ ምምቕቓል ሰነድ ንምምዝጋብን ናይቲ ምምቕቓል ምሕባርን፡ ስካተቨርከት ሓላፍነት ይወስድ። ነቲ ሰነድ ምምቕቓል ንብረት ንምድላው ወይ ናይቲ ምምቕቓል ንብረት ኣብ ምሕባር ሓገዝ ምስ እትደሊ ንጠበቓ ተወከስ።

ንኽትፋታሕ ንብረት ምምቓል

ንኽትፋትሑ ኢልኩም ንብረት ክትመቓቐሉ ከሎኹም ቅድሚ ነቲ ናይ ምምቕቓል ሕጋዊ ሰነድ እተዳልዉዎ ናይ ፍትሕ መጠየቕታ ናብ ወረዳ ቤትፍርዲ ከተቕርቡ ይግባእ

ኣብ ውሽጢ ሓዳር ኴንካ ንብረት ምምቓል

ኣብ ሓዳር ከለኹም ንብረት ክትማቐሉ ምስ እትደልዩ ቅድሚ ነቲ ናይ ምምቓል ሰነድ እተዳልዉዎ ኣቐኪምኩም ንስካተቨርከት ክትማቐሉ ሓሳብ ከም ዘሎኩም ሓብሩ።

ነቲ ናይ ንብረት ምምቕቓል ተግባር ንምሕባር ከምዚ ዚስዕብ ግበሩ፤

  1. ኣብ ሓዳር ከለኹም ንብረት ክትማቐሉ ከም እትደልዩ ንስካተቨርከት ሓብሩ። ነዚ ግን ፍሉይ ፎርም ኣየድልዮን እዩ።
  2. ምእንቲ ስካተቨርከት ከለልየኩም ኣብቲ ሓበሬታ ናታትኩም ቍጽሪ ኣህጉራዊ መንነት/ፐርሾንኑመር ጥቐሱ
  3. ነቲ ሓበሬታ ክልተኻትኩም ፈርሙሉ
  4. ነቲ ሓበሬታ 275 ክሩነር ክፈሉሉ። ናብ ስካተቨርከት ባንክዪሮ 227-5782። ከም መጥቀሲ ወይ ረፈረንስ፡ ፐርሾንኑመር ጥራይ ጸሓፉ
  5. ነቲ ናይቲ ሓበሬታ ኦሪጂናል ናብዚ ዚስዕብ ለኣኹዎ፤ Skicka anmälan i original till
Skatteverket
Äktenskapsregistret
871 87 Härnösand

ስካተቨርከት ነቲ ናይ ምምቓል ንብረት ሓብሬታ ምስ ተቐበለ ናይ ምምቃል ተግባራትኩም ክትቅጽሉ ትኽእሉ ኢኹም። ስለዚ ምእንቲ ስካተቨርከት ነቲ ሓበሬታ ተቐቢሉዎ ኪጸንሕ፡ ቅድሚ ነቲ ናይ ምምቕቓል ሰነድ ምድላውኩም ክልተ መዓልታት ተጸበዩ። ነቲ ሓበሬታ ምስ ተቐበልናዮን ምስ መዝገብናዮን በቲ ፖስት ኦክ ኢንሪከስ ጋዜጣ (Post- och inrikes tidningar) ከነፍልጦ/ክንዝርግሖ ኢና።

ነቲ ናይ ምምቓል ስነድ ምምዝጋብ

ስለምንታይ ንብረት ከም እተማቐልኩም ብዘየገድስ፡ ምስ እትደልዩ ነቲ ሰነድ ምምቓል ንብረት፡ ንምዝገባ ናብ ስካተቨርከት ክትልእኩዎ ትኽእሉ ኢኹም

ነቲ ሰነድ ምምቃል ንብረት ክትምዝግቡዎ ምስ እትደልዩ ከምዚ ዚስዕብ ግበሩ፤

  1. ነቲ ሰነድ ምምቃል ንብረት ኣዳልዉዎ
  2. ነቲ ሰነድ ምምቃል ንብረት ክልተኻትኩም ፈርሙሉ
  3. ነቲ ሓበሬታ 275 ክሩነር ክፈሉሉ። ናብ ስካተቨርከት ባንክዪሮ 227-5782። ከም መጥቀሲ ወይ ረፈረንስ፡ ፐርሾንኑመር ጥራይ ጸሓፉ
  4. ነቲ ናይቲ ሓበሬታ ኦሪጂናል ናብዚ ዚስዕብ ለኣኹዎ፤


Skatteverket
Äktenskapsregistret
871 87 Härnösand

ነቲ ሓበሬታ ምስ ተቐበልናዮን ምስ መዝገብናዮን በቲ ፖስት ኦክ ኢንሪከስ ጋዜጣ (Post- och inrikes tidningar) ከነፍልጦ/ክንዝርግሖ ኢና።

ምዝርጋሕ ብ ፖስት ኦክ ኢንሪከስ ጋዜጣ (Post- och inrikes tidningar) external link, opens in new window


Skatteverket

Till toppen