På skatteverket.se använder vi kakor (cookies) för att webbplatsen ska fungera på ett bra sätt för dig. Genom att surfa vidare godkänner du att vi använder kakor. Vad är kakor?

Logotyp, till startsidan

ፍትሕ/ምፍልላይ

ክትፋታሕ ምስ እትደሊ ንቤትፍርዲ ተወከስ። እቲ ቤትፍርዲ ንፍትሕ ምስ ወሰነ ነቲ ሓበሬታ ናብ ስካተቨርከት/ቤትጽሕፈት ቀረጽ፡ ኪልእኮ እዩ፡ ስካተቨርከት ድማ ነቲ ፍትሕ፡ ውዱእ ምስ ዚኸውን፡ ኣብቲ ህዝባዊ መዝገብ ኪምዝግቦ እዩ።

እቲ ናይ ምዝጉብ ተጻማድነት (registrerat partnerskap) ፍትሕ ብቤትፍርዲ ኪወሃብ ከሎ እውን ተመሳሳሊ መስርሕ እዩ ዚካየድ። ክትፋታሕ ምስ እትደሊ ከመይ ክትገብር ከም ዘሎካ ንምፍላጥ ኣብቲ ናይ ሽወደናዊ ኣብያተፍርዲ ወብሳይት ተመልከት።

ምስክር ልደት/ፐርሾንበቪስ ኣተሓሕዝ

ቤትፍርዲ ክልተ ምስክር ልደት/ፐርሾንበቪስ ከተተሓሕዝ ይደልየካ - ሓደ ናትካ፡ ሓደ ድማ ናይቲ ትምርዓዎ ዘሎኻ። በቲ ናይ ወብሳይትና ፎርም ጌርካ ናይ ፍትሕ ፐርሾንበቪስ ክትእዝዝ ትኽእል። ድሕሪ ክልተ ናይ ስራሕ መዓልታት እቲ ፐርሾንበቪስ ናብቲ ምዝጉብ ወይ ናብቲ ፍሉይ ኣድራሻኻ ይለኣኽ።

ኣብ ወጻኢ ሃገር

ኣብ ወጻኢ ሃገር እተፋታሕካ ምስ እትኸውን፡ እቲ ፍትሕ ኣብ ህዝባዊ ወይ ናይ ክብሪ መዝገብ ኪምዝገበልካ ክትጥይቕ ይግበኣካ። ነዚ ንምግባር ናብቲ ኣብ ጥቓኻ ዚርከብ ናይ ኣገልግሎት ኣብያተጽሕፈት ኪድ፡ ነቲ ፍትሕ ንኺምዝግቡልካ ድማ ሕተቶም። ግን ነቲ ናይ ፍትሕ ብዪን ምሳኻ ክትማልኦ ይግባእ። እቲ ናይ ፍትሕ ብዪን እተደምደመ/ውዱእ ኪኸውን ይግባእ።

እቲ ኣብ ወጻኢ እተገብረ ናይ ምእካብ ወይ ናይ መናብርቲ ፍትሕ እውን ድምዱም ወይ ውዱእ ኪኸውን ይግባእ።
ሕቶ ምስ ዚህልወካ ናብቲ ናይ ስካተቨርከት ክፍሊ ሓበሬታ ብ ደውል 0771-567 567.

 

 

Skatteverket

Till toppen