På skatteverket.se använder vi kakor (cookies) för att webbplatsen ska fungera på ett bra sätt för dig. Genom att surfa vidare godkänner du att vi använder kakor. Vad är kakor?

Logotyp, till startsidan

ኣብ ሃገር ሽወደን ወይ ኣብ ወጻኢ ምምርዓው

ኣብ ሽወደን ቅድሚ ምምርዓውካ ካብ ስካተቨርከት ናይ ቃልኪዳን መረጋገጺ (hindersprövning] ሕተት። ኣብ ሽወደን ተቐማጢ ምስ ዘይትኸውን እውን ኣብ ሽወደን ክትምርዖ ትኽእል ኢኻ።

እቲ ናይ ቃልኪዳን መረጋገጺ (hindersprövning] ምስ ተወደአ ካብ ስካተቨርከት ናይ ናይ ቃልኪዳን መረጋገጺ (hindersprövning] ምስክርን፡ ናይ መርዓ ምስክርን ክትወሃብ ኢኻ። ነዚ ድማ ናብቲ ቃልኪዳን ኣሳሪ ኣቕርቦ።

ኣብ ሽወደን ኣብ ቅድሚ ኣዞም ዚስዕቡ ኢኻ ቃልኪዳን እትኣስር፤

  • ኣብ ቅድሚ ሓደ ከመርዑ እተፈቕደሉ ሰብን ኣመንትን (ሃይማኖታዊ ቃልኪዳን)
  • ኣብ ቅድሚ ብወረዳዊ ምምሕዳር እተመዘዘ ኣሳሪ ቃልኪዳን (ሲቪላዊ ቃልኪዳን)

ንዝርዝራዊ ሓበሬታ ቃልኪዳን ብዚምልከት ነቲ ማሕበር፤ ማለት ናይ ሽወደን ማሕበር ቤትክርስትያን ርኸቦ። ንሲቪላዊ ቃልኪዳን ብዚምልከት ግን ምስቲ ናይ ከተማ ምምሕዳር ቆጸራ ግበር።

ድሕሪ ቃልኪዳን ምእሳር እቶም መርዑት ካብቲ ቃልኪዳን ዘእስር ኣካል፡ ናይ መርዓ ሰርቲፊከት ይወሃቦም። እቲ ቃልኪዳን ዘእስር ኣካል ነቲ ናይ ቃልኪዳን ፎርም ይመልኦ ናብቲ ስካተቨርከት ድማ ይልእኮ፡ ኣብኡ ድማ እቲ ቃልኪዳን ኣብቲ ህዝባዊ መዝገብ ወይ ናይ ክብሪ መዝገብ ይምዝገብ።

ካብ ካልእ ሃገር እተዋህበካ ናይ ቃልኪዳን መረጋገጺ (hindersprövning] ምስ ዚህልወካሞ ኣብ ሃገር ሽወደን ምስ እትምርዖ፡ እቲ ቃልኪዳን ዘእስር ኣካል ነቲ ሓበሬታ ናብ ስካተቨርከት ይልእኮ፡ ብድሕርዚ እቲ ስካተቨርከት ነቲ ቃልኪዳን ኣብቲ ህዝባዊ መዝገብ ወይ ናይ ክብሪ መዝገብ ይምዝግቦ።


ኣብ ወጻኢ ዚፍጸም ቃልኪዳን

ኣብ ወጻኢ ሃገር፡ ወይ ኣብ ቅድሚ ሽወደናዊ በዓልስልጣን ወይ ናይ ወጻኢ በዓልስልጣን ክትምርዖ ይከኣል እዩ። ኣብ ወጻኢ ምስ ተመርዓኻ እቲ መርዓ ከም እተፈጸመ ዘርእይ ወረቐት ምስክር ንስካተቨርከት ከተርእይ ይግበኣካ። ስካትቨርከት ነቲ ወረቐት ምስክር ብቑዕ ኮይኑ ምስ ዚረኽቦ ኣብቲ ህዝባዊ መዝገብ ይምዝግቦ።

ኣብ ወጻኢ ሃገር ምስ ሓደ ዘይተመዝገብ ሰብ ምስ እትምርዖ ነቲ ናይቲ ሰብ (በዓልቤት ወይ በዓልቲቤት) ፓስፖርት ንስካተቨርከት ከተርእይ ይግባእ።

ኣብ ቅድሚ ሽወደናዊ በዓልስልጣን

ንስኻ ወይ መጻምድትኻን ሽወደናዊ ዜግነት ምስ ዚህልወኩም ኣብ ወጻኢ ሃገር ኴንኩም ኣብ ቅድሚ ናይ ሽወደን በዓልስልጣን ክትምርዓዉ ትኽእሉ ኢኹም። ስለዚ ንሽወደናዊ ኤምባሲ፡ ንሽወደናዊ ቆንስል ወይ ንሽወደናዊ ቤትክርስትያን ተወከስ። ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስተር ኣየኖት ኤምባሲታት ወይ ቆንሱላት ቃልኪዳን ከም ዘእስሩ ሓበሬታ ኣለዎ። ሽወደናዊ ቤትክርስትያን፡ ኣብ ወጻኢ ብሽወደናዊ ቤትክርስትያን ኣገባብ ንምምርዓው ኣበይ ተኽእሎ ከም ዘሎ ሓበሬታ ኣለዎ።

ካብ ስካተቨርከት/ቤትጽሕፈት ቀረጽ፡ ናይ ቃልኪዳን መረጋገጺ (hindersprövningen) ንኽትማላእ ኣይትረስዕ


ኣብ ቅድሚ ናይ ወጻኢ ሃገር በዓልስልጣን

ንቓልኪዳን እንታይ ዓይነት ሰነድ ከም ዘድሊ ንምፍላጥ መጀመርያ ነቲ ናይ ወጻኢ ሃገር በዓልስልጣን ተወከሶ ከምኡውን እቲ ሰነድ ካብቲ ናይ ስካተቨርከት ኣሳላጢ ስራሕ/ሃንድለጋረ፡ ማሕተም ዘድልዮ ምዃኑን ዘይምዃኑን።

ናይ ቃልክዲን ወረቐት ምስክር

ሓደ ናይ ወጻኢ ሃገር በዓልስልጣን ቅድሚ መርዓ፡ ናይ ቃልኪዳን ወረቐት ምስክር ኪሓትት ይኽእል ይኸውን። ናይ ቃልኪዳን ወረቐት ምስክር ንኽትምርዖ መሰል ከም ዘሎካ ዚሕብር ብሕታዊ ሰነድ እዩ። ክልተኻትኩም ኣብ ቅድሚ በዓልስልጣን ወጻኢ ሃገር እትምርዓዉ ዜታታት ሽወደን ምስ እትኾኑ፡ ነፍስወከፍኩም ወረቐት ምስክር የድልየኩም ኢዩ ማለት እዩ።

ዜጋታት ሽወደንን ኣብ ሽወደን እተመዝገብኩም ምስ እትኾኑ፡ ነቲ ወረቐት ምስክር ቃልኪዳን፡ መጠየቕታን ውሕስነትን ፎርም Äktenskapscertifikat, ansökan och försäkran" (SKV 7881) ኣብ ስካተቨርከት/ቤትጽሕፈት ቀረጽ፡ ብምምላእ ኢኹም ናይ ቃልኪዳን ወረቐት ምስክር እትሓቱ።

ዜጋታት ሽወደን ኴንኩም ግን ኣብ ወጻኢ እትቕመጡ ምስ እትኾኑ፡ ነቲ ኣብ ጥቓኹም ዘሎ ናይ ሽወደን ኤምባሲ ወይ ቆንስል ተወከሱዎ።

ኣብ ሽወደን እተመዝገብኩም ኴንኩም ግን ሽወደናውያን ዜጋታት ምስ ዘይትኾኑ፡ ነቲ ሲቪል ኩነታትኩም ዘርእይ ፐርሾንበቪስ፡ ከም ኣብነት ካብ ህዝባዊ ናይ ምዝገባ ደብተር ዝወጸ ሓበሬታ፡ ኣርእዩ።


ናይ ቃልኪዳን ወረቐት ምስክር

ኣብ ሃገር ሽወደን ንዝተመርዓዉ ክልተ ሰባት ኣህጉራዊ ምስክር ቃልኪዳን ኣይወሃብን እዩ። እቲ ምስኡ ዚመሳሰል ሰነድ፡ እቲ ካብ ህዝባዊ ክብሪ መዝገብ ዚወጽእ ፐርሾንበቪስ/ምስክር ልደት፡ እዩ። እዚ ድማ ብቛንቋ ሽወደን ወይ እንግሊዝ ይወሃብ።

Skatteverket

Till toppen