På skatteverket.se använder vi kakor (cookies) för att webbplatsen ska fungera på ett bra sätt för dig. Genom att surfa vidare godkänner du att vi använder kakor. Vad är kakor?

Logotyp, till startsidan

መርዑትን ህያባትን

ንስኻትኩም እተመርዓኩም ልክዕ ከም ካልእ ሰብ ህያባት ክትወሃሃቡ ትኽእሉ ኢኹም። ግን ሓድሓደ ግዜ እቲ ህያብ ሕጋዊ ብቕዓት ዘይብሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ እቲ ህያብ ኣብ ስካተቨርከት ኪምዝገብ ዝሓሸ እዩ።

ነቲ ህያብ ምምዝጋቡ ዘድሊ ምኽንያት ድማ እቲ ህያብ ምስቲ ወሃቢ ዘለዎ ዝምድና እዩ።

ክፋል ንብረትካ ነቲ መጻምድትኻ ክትህቦ ከሎኻ ቅድሚ ነቲ መጠየቕታኻ ናብቲ ናይ መሬት ቅየሳ ቤትጽሕፈት (Lantmäteriet) እትልእኮ እቲ ህያብ ኣብ ስካተቨርከት ኪምዝገብ ይግባእ። ምእንቲ እቲ ምዝጉብ ሰነድ በቲ ናይ መሬት ቅየሳ ቤትጽሕፈት ኪጸድቕ፡ እቲ ናይ ህያብ ኣቕራቢ ክታም ብኽልተ መሰኻኽር ኪረጋገጽ ይግባእ።


ኣብቲ ናይናይ መሬት ቅየሳ ቤትጽሕፈት (Lantmäteriet) ወብሳይት፡ ንህያባት ብመልክዕ ንብረት ዚምልከት ሓበሬታ ኣንብብ


ኣብ መንጎ መርዑት ዚወሃሃብ ህያባት ምምዝጋብ

ንስኻ ንብጻይካ ወይ መጻምድትኻ ህያብ ክትህብ እትደሊ፡ ምእንቲ ኣብ ስካተቨርከት/ቤትጽሕፈት ቀረጽ ኪምዝገብ ከምዚ ዚስዕብ ግበር፤


  1. ናይ ህያብ ሰነድ ኣዳሉ። እዚ ድማ ደብዳበ ወይ ነቲ ህያባት ስምምዕ ዝሓዘ ሰነድ ኪኸውን ይኽእል። እዚ ዘድሊ ኸኣ ንኣብነት እቲ ህያብ ገዛ ኣብ ዚኾነሉ ግዜ እዩ። ነዚ፡ ፍሉይ ፎርም ኣየድልዮን እዩ። ዝሓሸ ግን ጠበቓ ረኺብካ ነቲ ሰነድ ከዳልወልካ ምሕታት እዩ። ናይ ህያብ ሰነድ ነቲ ዝሃብካዮ ነገራት ዚገልጽ ጽሑፍ ኪኸውን ይኽእል። ኣብቲ ገለጻ፡ እቲ ህያባት እንታይ ምዃኑ ኪጥቀስ ይግባእ
  2. ምእንቲ ስካተቨርከት ነቲ ኣብ ህዝባዊ ደብተር ዘሎ ሓበሬታ ከረጋግጾ፡ ኣብቲ ህያብ ሰነድካ ናትካ ቍጽሪ ሃገራዊ መንነት/ፐርሾንኑመር ጥቐስ
  3. ነቲ ናይ ህያብ ሰነድ ክልተኻትኩም ፈርሙሉ
  4. ነቲ ሓበሬታ 275 ክሩነር ክፈሉሉ። ናብ ስካተቨርከት ባንክዪሮ 227-5782። ስምን ፐርሾንኑመርን ጸሓፉ፡ንውዕል መርዓ ከም ዚምልከት ድማ ሓብሩ። (ብኢንተርነት ምስ እትኸፍሉ ነቲ ሓበሬታ ወይ ናይ ሓበሬታ ባንድ ተጠቐሙ)
  5. እቲ ናብ ስካተቨርከት እትልእኩዎ ናይ ህያብ ሰነድ ኦሪጂናል ኪኸውን ይግባእ። ቅዳሕ ኣይትስደዱ ምኽንያቱ ድማ ስካተቨርከት ነቲ ናይ ህያብ ሰነድ ምስ መዝገቦ ነቲ ኦሪጂናል ክመልሰልኩም ስለ ዝኾነ። ነዚ ዚስዕብ ኣድራሻ ተጠቐሙ፤

    Skatteverket
    Äktenskapsregistret
    871 87 Härnösand.

ስካተቨርከት/ቤትጽሕፈት ቀረጽ፡ ብዛዕባ ምምዝጋብ ምስ ወሰነ ነቲ ናይ ህያብ ሓበሬታ ኣብ ናይ ቃልኪዳን ክብረ-መዝገብ ይምዝግቦ። ብድሕርዚ ኣብቲ ፖስትን ኢንሪከስን ጋዜጣ (Post- och Inrikes Tidningar) ንዝርግሖ። ብድርሕርዚ እቲ ናይ ገደብ ግዜ ይጅምር። ኣብቲ ግዜ ገደብ፡ ኣብ ገለ ኩነታት፡ ኩባንያታት ወይ ዚእውዱኻ ሰባት ነቲ ህያብ ንኺካፈሉዎ ኪሓቱ ይኽእሉ እዮም።


 

Skatteverket

Till toppen