På skatteverket.se använder vi kakor (cookies) för att webbplatsen ska fungera på ett bra sätt för dig. Genom att surfa vidare godkänner du att vi använder kakor. Vad är kakor?

Logotyp, till startsidan

ንስኻ፡ መንበሪ ፍቃድ ዘሎካ

ንስኻ፡ ናይ ሽወደን መንበሪ ፍቓድ ዘሎካ፡ ነቲ መንነትካ ንምድልዳል፡ ንስካተቨርከት ነቲ ናይ መጠየቕታኻ ሓበሬታኻ ምስቲ ናይ ሚግረሽን ሓበሬታ ክተወዳድሮ ክትፈቕደላ ትኽእል ኢኻ።

ከምኡ ክትገብር ምስ እትደሊ፡ መጠየቕታ ከተቕርብ ከሎኻ ነዚ ጉዳይዚ ከተልዕሎ ኣሎካ። እቲ እነወዳድሮ ሓበሬታ ንስምን ፎቶን ሓሸራን ቁመትን ናይ መገሻ ሰነድን ናይ መንበሪ ፍቓድ ምስክርን ዚምልከት እዩ።

ስለዚ ክልቲኡ ማለት ፓስፖርትኻን ምስክር ናይ መንበሪ ፍቃድካን (ናይ መንበሪ ፍቓድ ካርድ) ክትማልኦ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብቲ ናይ ሚግረሽን ወብሳይት ንካርድ መንበሪ ፍቓድ ዚምልከት ብተወሳኺ ከተንብብ ትኽእል።

» ኣብቲ ናይ ሚግረሽን ወብሳይት ንካርድ መንበሪ ፍቓድ ዚምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ኣሎ external link, opens in new window


Skatteverket

Till toppen