På skatteverket.se använder vi kakor (cookies) för att webbplatsen ska fungera på ett bra sätt för dig. Genom att surfa vidare godkänner du att vi använder kakor. Vad är kakor?

Logotyp, till startsidan

-ለጊቲማኹን ኣብ ወረቐት መንነት

ናይ ስካተቨርከት ወረቐት መንነት፡ -ለጊቲማኹን እውን ይጥርንፍ እዩ። -ለጊቲማኹን ምስቲ ዝውቱር ዝኾነ ናይ መንነት ሰነድ ይመሳሰል እዩ፡ ማለት ምስ ወረቐት መንነት ወይ ምስ ፍቓድ ምዝዋር ማኪና። ብኢ-ለጊቲማኹን ኣብ ኢንተርነት ብውሑስ መገዲ መን ምዃንካ ክትገልጽ ትኽእል።

ብኢ-ለጊቲማኹን መንነትካ ምስ ገለጽካ ካብቲ ናይ ስካተቨርከት መዝገብ ብዛዕባኻ ወይ ብዛዕባ ዋኒንካ ዚምልከት ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል። ብኢንተርነት ጌርካ ድማ ምስ ባንክታትን መንግስታዊ ትካላትን ዋኒናትን ጉዳይካ ከተሳልጥ ትኽእል።

ቅድመ-ኩነት -ለጊቲማኹን

ናይ ስካተቨርከት ወረቐት መንነት ናይ ተልያ ኢ-ለጊቲማኹን Telia e-legitimation ኣለዎ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ፡ ኣብቲ ስካተቨርከት ወረቐት መንነት ክትሓትት ከሎኻ ናብቲ ናይ ተልያ ኢ-ለጊቲማኹን ዘእቱ መገዲ ትረክብ ማለት እዩ። ኣብኡ ድማ ነቲ ናይ ተልያ ኢ-ለጊቲማኹን ቅድመ-ኩነት ከተንብብ ትኽእል።

ናይ ተልያ ኢ-ለጊቲማኹን ቅድመ-ኩነት ኣንብብ (SKV 1598B)external link

ናይቲ -ለጊቲማኹን ፒን ኮድን ፑክ ኮድን

ኢ-ለጊቲማኹን ክትጥቀም ከሎኻ ፒን ኮድ ከተዘውትር ይግባእ። እቲ ፒን ኮድ ብፖስታ ገይሩ ናብቲ ምዝጉብ ኣድራሻኻ ይለኣኽ።

ነቲ ፒን ኮድ ወይ ፑክ ኮድ ምስ እተጥፍኦ

ስካተቨርከት ነቲ ናትካ ፒንን ፑክን ኮዳት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኪረኽበልካ እዩ። ምስ ተወህበካ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ነቲ ኮዳት ምስ እተጥፍኦ ኣባና ሓድሽ ክትእዝዝ ትኽእል ኢኻ።

ሓደ ወርሒ ምስ ዚሓልፍ ግን ሓድሽ መንነት ወረቐት ክትሓትት ይግበኣካ። ሓድሽ ኮዳት ንምርካብ ዋጋኡ ልክዕ ከም ሓድሽ ኣይዲ ካርድ/መንነት ወረቐት እዩ።

ነቲ -ለጊቲማኹንካ ብኸመይ መገዲ ከም እትጥቀመሉ

ነቲ ኣብ ወረቐት መንነትካ ዘሎ ኢ-ለጊቲማኹን ክትጥቀመሉ እንተ ደሊኻ፡ ኮምፕዩተር፡ ኣንባቢት ካርድን kortläsare ናይ ነት ኣይዲ Net iD ፕሮግራምን የድልየካ።

 

Skatteverket

Till toppen