På skatteverket.se använder vi kakor (cookies) för att webbplatsen ska fungera på ett bra sätt för dig. Genom att surfa vidare godkänner du att vi använder kakor. Vad är kakor?

För närvarande har vi vissa störningar i telefonin till skatteupplysningen.

Logotyp, till startsidan

ብዛዕባ ወረቐት መንነት ንምሕታት ዘልዲ ቅድመ-ኩነት

ወረቐት መንነት ንምሕታት፡ ኣብ ሽወደን እተመዝገብካ፡ 13 ዓመት ዝመላእካን ንመንነትካ ከተረጋግጽ እትኽእልን ክትከውን የድሊ። ትሕቲ 18 ዓመት ምስ እትኸውን ናይቲ ዘዕብየካ ሰብ ፍቓድ የድሊ። ናይ መጠየቕታ ክፍሊት 400 ክሩነር እዩ። እቲ ክፍሊት ቅድሚ ወረቐት መንነት ምሕታትካ እዩ ዚካየድ።

ንስኻን እቲ ዘፍቅደልካን፡ ስቱር ውልቃዊ ሓበሬታ ምስ ዚህልወኩም እውን ብዛዕባ ወረቐት መንነት ክትጥይቕ ትኽእል ኢኻ። ግን ቅድሚ ምጥያቕካ ነቲ ናይ ድሕነት ሃንድለጋረኻ ተወከሶ።

ንወጻኢ ክትገይሽ ከሎኻ ኣብ ክንዲ ፓስፖርት፡ ናይ ስካተቨርከት ወረቐት መንነት ክትጥቀም ኣይትኽእልን ኢኻ። ናይ ስካተቨርከት ወረቐት መንነት ኣብ ውሽጢ ሽወደን ጥራይ እዩ ዘገልግል። ሃገራዊ ወረቐት መንነት ምስ እትደሊ፡ ንፖሊስ ተወከስ።

ዝያዳ ብዛዕባ ሃገራዊ ወረቐት መንነት ኣብ እንዳ ፖሊስ external link, opens in new window

ሓድሓደ ኣብያተጽሕፈት ኣገልግሎት ጥራይ እየን ወረቐት መንነት ዚህባ

ወረቐት መንነት ንምሕታት ንሓደ ካብቲ ኣብያተጽሕፈት ኣገልግሎትና ብኣካል ብጽሓዮ። ሓድሓደ ኣብያተጽሕፈት ኣገልግሎት ጥራይ ወረቐት መንነት ከም ዚህባ ኣይትረስዕ።

 » ዝርዝር ወረቐት መንነት ዚህባ ኣብያተጽሕፈት ኣገልግሎት


ወረቐት መንነት ንምሕታት ዘድሊ ዝርዝር ሓበሬታ

ወረቐት መንነት ንምሕታት ንቤትጽሕፈት ኣገልግሎት ቅድሚ ምብጻሕካ ከምዚ ዚስዕብ ክትገብር ይግበኣካ፤

  1. ኣብ ሃገር ሽወደን እትመዝገብካ
  2. 13 ዓመት ዝመላእካ
  3. ንመጠየቕታ 400 ክሩነር ዝኽፈልካን ከም ዝኸፈልካ ድማ ቅብሊት ወይ ናይ ባንክ ሒሳብ ከተርእይ ዝኸኣልካ
  4. መን ምዃንካ ብወረቐት መንነት ከተረጋግጽ ዝኸኣልካ። ምሳኻ ቅቡል ናይ መንነት ሰነድ (ንኣብነት ፓስፖርት) ወይ ዘገልግል መንበሪ ፍቓድ ተማላእ።
  5. ትሕቲ 18 ዕድመ ምስ ዚህልወካ ናይቶም ዘዕብዩኻ ፍቓድ የድሊ


ኣብ ሽወደን እተመዝገብካ ክትከውን ይግበኣካ

ወረቐት መንነት ንምሕታት ናይ ሽወደን ቍጽሪ ሃገራዊ መንነት/ፐርሾንኑመር፡ ኪህልወካ ይግባእ፡ ማለት ኣብ ሃገር ሽወደን ምዝጉብ ክትከውን ይግበኣካ። ናይ ምትኽኻል ቍጽሪ/ሳምኦርድኒንግኑመር ምስ ዚህልወካ ኣብቲ ስካተቨርከት ወረቐት መንነት ክትሓትት ኣይትኽእልን።

ንኽትሓትት፡ ፐርሾንበቪስ ኣየድልየካን ። ንሓንቲ ካብተን ወረቐት መንነት ዚህባ ኣብያተጽሕፈት ኣገልግሎትና ክትበጽሕ ከሎኻ ኣብቲ ፋይልና ኣቲና ነቲ ናትካ ናይ ምዝገባ ሓበሬታ ብዚምልከት ቍጽጽር ነካይድ ኢና።


13 ዓመት ክትመልእ ኣሎካ

ወረቐት መንነት ንምሕታት 13 ዓመት ክትመልእ ይግባኣካ። ትሕቲ 18 ዓመት ምስ እትኸውን እቶም ዘዕብዩኻ፡ ወረቐት መንነት ንኽትሓትት ከፍቅዱልካ ይግባእ።

 

ከም ዝኸፈልካ ቅብሊት ከተርእይ ይግበኣካ

ወረቐት መንነት ንምሕታት ናብቲ ቤትጽሕፈት ኣገልግሎት ምስ መጻእካ፡ ናይ 400 ክሩኑር ዝኸፈልካሉ ቅብሊት ከተርእይ ይግበኣካ። ብኢንተርነት ከፊልካ እንተ ኾንካ፡ ነቲ ሰነድ ሓቲምካ/ፕሪንት ጌርካ፡ ከም መረጋገጺ ሒዝካዮ ምጻእ።

ከይደንጎኻ ክፈል

ቀልጢፍካ ምስ እትኸፍል፡ ቅድሚ ናባና ምምጻእካ ነቲ ገንዘብ ተቐቢልናዮ ክንጸንሕ ንኽእል። ገንዘብ ንምስዳድ ሓደ መዓልቲ ጥራይ እዩ ዚወስድ። ኣብቲ እትልእኮ ሰነድ ናትካ ፐርሾንኑመር ጥቐስ።

ንኻልእ ሰብ ክትከፍለሉ ከሎኻ

ንኻልእ ሰብ ክትከፍለሉ ከሎኻ ኣብቲ እትልእኮ ሰነዳት ናይቲ ሰብ ፐርሾንኑመር ጥቐስ።

ከመይ ጌርካ ናይ መጠየቕታ ገንዘብ ከም እትኸፍል

ናብ ብ ባንክዪሮ Nordea bankgiro 389-0100 ወይ ድማ።

ካብ ካልእ ሃገር ምስ እትኸፍል ነዚ ዚስዕብ ኮዳት ተጠቐም፤

  1. IBAN (International Bank Account Number): SE30 9500 0099 6034 0504 0621
  2. Swift/BIC: NDEASESS


ብኢንተርነት ባንክ ምስ እትኸፍል ናትካ ፐርሾንኑመር ከም OCR ንምጥቃስ ኣይትረስዕ። ናይ መኽፈሊ ካርድ ምስ እትጥቀም ወይ ድማ እቲ ክፍሊት ኣብ ገለ ዪሮበታልኒንግ ዚጥቀሙ ኪዮስክታት ወይ ተመሳሳሊ ቦታታት ምስ ዚካየድ ፡ ኣብቲ እትኸፍለሉ እዋን ነቲ ናትካ ፐርሾንኑመር ጥቐስ።

ክፍሊት ኣይምለስን እዩ

እቲ እትኸፍሎ ክፍሊት ምእንቲ ስካተቨርከት ነቲ መጠየቕታኻ ኪምርምር ተባሂሉ እዩ። ስለዚ ወላውን እቲ ጉዳይካ እንተ ተነጽገ፡ ገንዘብካ ኣይምለሰልካን እዩ።


መን ምዃንካ ክትገልጽ ይግባእ

ወረቐት መንነት ንምሕታት፡ መን ምዃንካ ከተረጋግጽ ይግባእ፡ ማለት መንነትካ ኣረጋግጽ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ ድማ ናብቲ ቤትጽሕፈት ኣገልግሎት ክትከይድ ከሎኻ ነዚ ዚስዕብ ክትማላእ ኣሎካ ማለት እዩ፤

  • ብቑዕ ናይ መንነት ሰነድ
  • ቅቡል ናይ ሽወደን መንበሪ ፍቓድ። በዚ ድማ ነቲ ኣብ ሚግረሽን/ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ዘሎ ምዝጉብ ሓበሬታኻ ምስቲ ውልቃዊ ሓበሬታኻ ነመሰኻኽሮ።
  • ነቲ ኣብ መጠየቕታኻ ዘሎ ሓበሬታ ብጽሑፍ ዚምስክር ሰብ። ከምዚ ዝበለ ሰብ መስካሪ (ኢንቲግዪቫረ) ይብሃል። እቲ መስካሪ እውን ብቕቡል ናይ መንነት ሰነድ ገይሩ መንነቱ ከረጋግጽ ይግባእ።

 

»ዝያዳ ብዛዕባ ወረቐት መንነት ክትሓትት ከሎኻ ዘድሊ ቅቡል ናይ መንነት ሰነድ

» ዝያዳ ብዛዕባ ወረቐት መንነት ክትሓትት ከሎኻ ዘድሊ ናይ መንበሪ ፍቓድ

» ዝያዳ ብዛዕባ ቅቡል መስካሪ (ኢንቲግዪቫረ)


ናይቶም ዘዕብዩኻ ፍቓድ ኪህልወካ ይግባእ

ትሕቲ 18 ዓመት ምስ እትኸውን፡ እቶም ዝዕብዩኻ፡ ወረቐት መንነት ንኽትሓትት ከፍቅዱልካ ኣለዎም። ነዚ ዚገብሩዎ ድማ ነቲ ናይ SKV 1502 ፎርም ብምምላእን ብምፍራምን እዩ።


ክልቲኣቶም እቶም ዘዕብዩኻ ነቲ ፎርም ኪፍርሙሉ ይግባእ። ግን ናብቲ ቤትጽሕፈት ኣገልግሎት ክትመጽእ ከሎኻ፡ ሓዲኦም ጥራይ ምሳኻ እንተ ሃለወ ኣኻሊ እዩ።

 

Skatteverket

Till toppen