På skatteverket.se använder vi kakor (cookies) för att webbplatsen ska fungera på ett bra sätt för dig. Genom att surfa vidare godkänner du att vi använder kakor. Vad är kakor?

För närvarande har vi vissa störningar i telefonin till skatteupplysningen.

Logotyp, till startsidan

ነቲ ውዱእ ወረቐት መንነት ምርካብ

ከም ንቡር፡ ወረቐት መንነትካ ንኺውዳእ ኣስታት ክልተ ሰሙን እዩ ዚወስድ። ኣብቲ መጠየቕታኻ ገና ዚምርመር ነገራት ምስ ዚህሉ ግን እቲ ጉዳይ ነዊሕ ግዜ ኪወስድ ይኽእል እዩ።

እቲ ወረቐት መንነትካ ምስ ተወደአ ካብ ስካተቨርከት ደብዳበ ኪለኣኸልካ እዩ። ንሱ ክልተ ክፋላት ዝሓዘ እዩ፤ እቲ ሓደ ናይ ኣፍልጦ ደብዳበ( aviseringsbrevet) ፡ እቲ ሓደ ድማ ፒን ኮድን ፑክ ኮድን ዝሓዘ ደብዳበ። ኣብቲ ናይ ኣፍልጦ ደብዳበ፡ ነቲ ወረቐት መንነት ናብቲ ቤትጽሕፈት ኣገልግሎት ኬድካ ክትወስዶ ዚሕብር መግለጺ ኣሎ። ነቲ ወረቐት መንነት ንምውሳድ ብኣካል ኬድካ ክትርከቦ ይግባእ፡ ነቲ ናይ ኣፍልጦ ደብዳበ ድማ ምሳኻ ተማላኣዮ።

ነቲ ወረቐት መንነትካ ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ክትርከቦ እንተ ዘይከኣልካ፡ ንስካተቨርከት ክትውከሶ ይግበኣካ።

እቲ ደብዳበ፡ ናትካ ፒን ኮድን ፑክ ኮድን ነቲ ምስቲ ሓድሽ ወረቐት መንነትካ ዚርከብ ኢ-ለቲጊማኹን እውን ይጥርንፍ እዩ። ነቲ ወረቐት መንነትካ ክትወስድ ከሎኻ ነቲ ኮዳት ምሳኻ ኣትይትማላኣዮ። ነቲ ኮዳት ምስቲ ወረቐት መንነት ኣይተቐምጦ። ነቲ ኮዳት ከም ክቡር ነገር ጌርካ ዓቅቦ።

ስለምንታይ ደብዳበ ዘይመጸኒ ኢልካ ምስ እትሽገር ነቲ ስካተኡፕሊስኒንገን ደዊልካ ምኽንያት ምድንጓዩ ሕተቶ።

ክትግዕዝ ከሎኻ ኩሉ ግዜ ንስካተቨርከት ምሕባር ኣይትረስዕ።


እቲ ናይ ስካተቨርከት ደብዳበ ከምዚ እዩ ዚመስል

Exempel på brev från Skatteverket

 እቲ ወረቐት መንነት ዘገልግለሉ ግዜ


ስምን ቍጽሪ ሃገራዊ መንነት/ፐርሾንኑመር ምስ እትልውጥ


Skatteverket

Till toppen