På skatteverket.se använder vi kakor (cookies) för att webbplatsen ska fungera på ett bra sätt för dig. Genom att surfa vidare godkänner du att vi använder kakor. Vad är kakor?

Logotyp, till startsidan

ኣብ ሽወደን ህዝባዊ መዝገብ ከይተመዝገብካ ከሎኻ ቆልዓ ምውላድ

ኣብ ሽወደን ህዝባዊ መዝገብ ከይተመዝገብኪ ከሎኺዶ ቆልዓ ወሊድኪ ኣሎኺ? ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ነዚ “ቆልዓ ናይ ምውላድካ መመላእታ ምልክታ” “Komplettering till födelseanmälan” ዝተባህለ ቅጥዒ፡ መሊእኪ ናብ ቤትስልጣን ኣታዊ ግብሪ (Skatteverket)

ክትልእኪ የድልየኪ እዩ። ሽዑ ድማ ቆልዓኺ ከም ዝተወልደ፡ ኣብ መዝገብ ቤትስልጣን ግብሪ ክጸሓፍ እዩ። ቀጺልኪ ድማ ነዞም ዚስዕቡ ነገራት ክትፍጽሚ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
• ነቲ ቆልዓ ዑቕባ ክትሓትሉ
• ነቲ ቆልዓ ፓስፖርት ክትሓትሉ
• ነቲ ቆልዓ ኣብ ካልእ ሃገር ክትመዝግብዮ እዩ።
ኣብቲ እትመልእዮ ቅጥዒ ብፍላይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ድማ፤ እቲ ተመርዕዩኪ ዘሎ ሰብ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ሽወደን፡ ምዝጉብ ምስ ዚኸውን እዩ። ከምኡ እንተ ኰይኑ ድማ፤ እቲ ውላድኪ ውን ምዝጉብ ክኸውን እዩ።

ነቲ ዚምልእ ቅጥዒ ብኸምዚ ክትረኽብዮ ኢኺ

እዚ ቅጥዒ’ዚ፡ ኣብቲ ናይ ሆስፒታል ናይ መዋለዲ ቦታ፡ ኣብኡ ክትረኽብዮ ኢኺ። ኣብኡ ክትመልእዮ እንተ ዘይክኢልኪ ግን፡ ናብቲ ይቕመጠሉ’የ ኢልኪ ዝሃብክዮም ኣድራሻ፡ ነቲ ቅጥዒ ናብኡ ክልእኩልኪ እዮም። ካብ ሓደ ናይ “ኣገልግሎት ቤትጽሕፈት” (servicekontor) ውን ክተምጽእዮ ትኽእሊ ኢኺ። ናይ ኩሎም “ኣገልግሎት ኣብያተጽሕፈት” ኣድራሻታት፡ ኣብቲ “ምሳና ተራኸቡ” (Kontakta oss) ዚብል ኣድራሻ ኢንተርነትና፡ ኣብቲ ላዕለዋይ ወገን ናይቲ ገጽ፡ ኣብኡ ክትረኽብዮ ትኽእሊ ኢኺ።

ብኸምዚ ዚስዕብ ኣገባብ ጌርኪ ምልእዮ

ነቲ ቅጥዒ ብጥንቃቐን ብልክዕ ሓበሬታን ጌርኪ ምልእዮ። ነቲ ሽዑ ሓንሳእ ዝመላእክዮ ሓበሬታ፡ ዳሕራይ ተመሊስኪ ክትቅይርዮ ምስ ትደልዪ፡ ኣዝዩ ከቢድ ነገር ክኸውን እዩ።

Skatteverket

Till toppen